ዘሌዋውያን 1

1 እግዚኣብሄር ንሙሴ ጸውዖ፡ ካብቲ ድንኳን ምርኻብ ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥

2 ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፥ ካባኻትኩም ሰብ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስ ዜቕርብ፡ መስዋእትኹም ካብ ማል፡ ካብ ኣሓን ካብ ጤለበጊዕን ኣቕርቡ።

3 እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኻብ ኣሓ እንተዀነ፡ ጐደሎ ዜብሉ ተባዕታይ የቕርብ፡ እሞ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፍትዊ ኪኸውን፡ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ የቕርቦ።

4 ኣብ ርእሲ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኢዱ የንብር እሞ ንምትዕራቑ ቕቡል ይኸውን።

5 ነቲ ዝራብዕ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይሕረዶ፡ ነቲ ደሙ ኸኣ ደቂ ኣሮን፡ እቶም ካህናት፡ የቕርብዎ፡ ነቲ ደም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ይንጸግዎ።

6 ነቲ ዚሐርር መስዋእቲ፡ ቈርበቱ ጠቢሑ፡ በብኽፍሉ ይቚረጾ።

7 ደቂ ኣሮን፡ እቲ ኻህን ድማ ኣብ መሰውኢ ሓዊ ይእጐዱ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓዊ ኸኣ ዕጨይቲ ይጸፍጽፉ።

8 እቶም ካህናት፡ ደቂ ኣሮን ድማ ነቲ ኽፍልታት፡ ርእስን ስብሕን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዘሎ ዕጨይቲ ይሰርዕዎ።

9 ነቲ ናውቲ ኸብዱን ኣእጋሩን ግና ብማይ ይሕጸቦ እሞ እቲ ኻህን ንዂሉ ንዚሐርር መስዋእቲ፡ ንመስዋእቲ ሓዊ፡ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ኣብቲ መሰውኢ የሕርሮ።

10 እቲ መስዋእቲ ኻብ ጤለበጊዕ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ካብ ኣባጊዕ ወይ ካብ ኣጣል፡ ጐደሎ ዜብሉ ተባዕታይ ንዚሐርር መስዋእቲ የቕርቦ።

11 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ንመሰውኢ ብሸነኽ ሰሜኑ፡ ይሕረዶ። እቶም ካህናት፡ ደቂ ኣሮን ድማ ነቲ ደሙ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ይንጸግዎ።

12 በብኽፍሉ ምስ ርእስን ስብሑን ይቚረጾ፡ እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዘሎ ዕጨይቲ ይስርዓዮ።

13 ነቲ ናውቲ ኸብዱን ኣእጋሩን ግና ብማይ ይሕጸቦ፡ እቲ ኻህን ድማ ንዂሉ የቕርቦ፡ ኣብ መሰውኢ ኸኣ የሕርሮ። እዚ ዚሐርር መስዋእቲ። መስዋእቲ ሓዊ፡ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።

14 እቲ ንእግዚኣብሄር ዚስውእ ዚሐርር መስዋእቲ ኻብ ኣዕዋፍ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ካብ ባሬቶታት ወይ ካብ ጨጨዊት ርግቢ መስዋእቱ የቕርብ።

15 እቲ ኻህን ድማ ናብ መሰውኢ ኣቕሪቡ፡ ነቲ ርእሱ ይጥወዮ፡ ኣብ መሰውኢ ኸኣ የሕርሮ፡ እቲ ደሙ ኸኣ ኣብ ጎቦ መሰውኢ ይጸመቚ።

16 ጭንጭራኡ ምስናይ ፈርሱ ናብ ጎቦ መሰውኢ ብሸነኽ ምብራቕ ናብቲ ስፍራ ሓመዂስቲ ይደርብዮ።

17 በኽናፉ ይጭደዶ፡ ግናኸ ኣይፈላልዮ፡ እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዘሎ ዕጨይቲ የሕርሮ፡ እዚ ዚሐርር መስዋእቲ፡ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።