ዘሌዋውያን 16

1 ድሕሪ ሞት ክልቲኦም ደቂ ኣሮን፡ እቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ቀረቡ ዝሞቱ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ ተዛረቦ።

2 እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ በሎ፡ ኣነ ብደበና ኣብ ልዕሊ መኽደን መተዓረቒ ኽርኤ እየ እሞ፡ ንሓውካ ኣሮን ከይመውትሲ፡ ናብ ቤት መቕደስ ኣብ ውሽጢ መጋረጃ ናብ ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ዘሎ መኽደን መተዓረቒ ዂሉ ጊዜ ኸይአቱ፡ ንገሮ።

3 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ዝራብዕ፡ ንዚሐርር መስዋእቲ ኸኣ ሓደ ድዑል ሒዙ፡ ኣሮን በዚ ናብ ቤተ መቕደስ ይእቶ።

4 እቲ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ቅዱስ ቀምሽ ታሕቲ ይከደን፡ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ስረ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ስጋኡ ይግበር፡ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ቅናት ድማ ይተዐጠቕ፡ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ መጠምጠምያውን ኣብ ርእሱ ይጠምጠም። እዚ ቅዱስ ኣልባስ እዩ፡ ስጋኡ ብማይ ተሐጺቡ ይከደኖ።

5 ካብ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ድማ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ክልተ ድቤላ፡ ንዚሐርር መስዋእቲውን ሓደ ድዑል ይውሰድ።

6 ኣሮን ከኣ ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣቱ የቕርቦ፡ ንርእሱን ንቤቱን ከኣ የተዐርቕ።

7 ንኽልቲኦም ድቤላ ወሲዱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ደው የብሎም።

8 ኣሮን ድማ ነቶም ክልተ ድቤላ፡ ሓደ ዕጫ ንእግዚኣብሄር፡ ሓደ ዕጫ ከኣ ንዓዛዚል ኪኸውን፡ ዕጭ የውድቐሎም።

9 ኣሮን ድማ ነቲ ብዕጫ ንእግዚኣብሄር ዝበጽሖ ድቤላ የቕርቦ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ይሰውኣዮ።

10 እቲ ብዕጫ ንዓዛዜል ዝበጽሔ ድቤላ ግና ንዓዛዜል ናብ በረኻ ኺስደድ፡ ንምትዕራቑ ብህይወቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ይበል።

11 ኣሮን ከኣ ነቲ ንርእሱ ዚኸውን ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት የቕርቦ፡ ንርእሱን ንቤቱን ድማ የተዐርቕ፡ ነቲ ንርእሱ ዚኸውን ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ይሕረዶ።

12 ካብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ጽንሃህ ምሉእ ጓህሪ ይውሰድ፡ ካብቲ እተጐድኤ ምኡዝ ዕጣን ከኣ ምሉእ ሕፍኑ ወሲዱ ናብ ውሽጢ መጋረጃ የእትዎ።

13 ከይመውትሲ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስክር ዘሎ መኽደን መተዓረቒ፡ ደበና ዕጣን ምእንቲ ኪኽውሎ ከኣ፡ ነቲ ዕጣን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብቲ ሓዊ ይግበሮ።

14 ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲዱ ድማ፡ ናብ መኽደን መተዓረቒ ብሸነኽ ምብራቑ በጻብዑ ይንጸግ፡ ኣብ ቅድሚ መኽደን መተዓረቒውን ካብቲ ደም ሾብዓተ ሳዕ በጻብዑ ይንጸግ።

15 ነቲ ድቤላ መስዋእቲ ሓጢኣት ህዝቢ ድማ ይሕረዶ፡ ነቲ ደሙ ኸኣ ናብ ውሽጢ መጋረጃ የእትዎ፡ በቲ ደሙውን ከምቲ ብደም እቲ ዝራብዕ ዝገበሮ ይግበር፡ ኣብ ልዕሊ መኽደን መተዓረቕን ኣብ ቅድሚ መኽደን መተዓረቕን ይንጸጎ።

16 ካብ ርኽሰት ደቂ እስራኤል ካብ በደሎምን ብዝዀነ ሓጢኣቶም ንመቕደስ የተዐርቆ። ነቲ ምሳታቶም ኣብ ማእከል ርኽሰቶም ዘሎ ድንኳን ምርኻብ ድማ ከምኡ ይግበረሉ።

17 ንሱ ኼተዐርቕ ናብ መቕደስ ምስ ዚኣቱ፡ ክሳዕ ዚወጽእ፡ ንርእሱን ንቤቱን ንብዘላ ማሕበር ደቂ እስራኤልን ክሳዕ ዜተዐርቕ፡ ገለ ሰብ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣይኹን።

18 ናብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ወጺኡ ኸኣ፡ ንእኡ የተዐርቆ። ካብ ደም እቲ ዝራብዕን ካብ ደም እቲ ድቤላን ወሲዱ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብዙርያኡ ይግበሮ።

19 ካብቲ ደም ከኣ በጻብዑ ሾብዓተ ሳዕ ኣብ ልዕሊኡ ይንጸግ፡ ካብ ርኽሰት ደቂ እስራኤል ድማ የንጽሃዮን ይቐድሶን።

20 ንመቕደስን ንድንኳን ምርኻብን ንመሰውእን ዐሪቑ ምስ ወድኤ ኸኣ፡ ነቲ ህያው ድቤላ የቕርቦ።

21 ኣሮን ድማ ክልቲኡ ኢዱ ኣብ ርእሲ እቲ ህያው ድቤላ የንብር እሞ፡ ብኲሉ ኽፍኣት ደቂ እስራኤልን ብዂሉ በደሎምን ብዂሉ ሓጢኣቶምን ኣብ ልዕሊኡ ይናዘዝ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ድቤላ ኸኣ የንብሮ፡ ብኢድ እቲ ነዚ እተዳለወ ሰብኣይ ድማ ንበረኻ ይስደዶ።

22 እቲ ድቤላ ኸኣ ንዂሉ ኽፍኣቶም ኣብ ልዕሊኡ ናብ ጽምዊ ምድሪ ይጹሮ፡ ነቲ ድቤላ ድማ ንበረኻ ይፈንዎ።

23 ኣሮን ድማ ናብ ድንኳን ምርኻብ ይእቶ፡ ነቲ ናብ መቕደስ ኪአቱ ኸሎ ለቢስዎ ዝነበረ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ኣልባሳትውን የውጽኣዮ፡ ኣብኡ ኸኣ ይሕደጎ።

24 ድማ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዀይኑ፡ ስጋኡ ብማይ ይተሐጸብ፡ ክዳውንቱ ኸኣ ይከደን። ወጺኡ ድማ ነቲ ዚሐርር መስዋእቱን ነዚ ዚሐርር መስዋእቲ ህዝብን ይሰውእ፡ ንርእሱን ንህዝብን ከኣ የተዐርቕ።

25 ስብሒ መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ኣብ መሰውኢ የሕርር።

26 እቲ ነቲ ድቤላ ንዓዛዜል ዝፈነወ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ ስጋኡውን ብማይ ይተሐጸብ፡ ድሕርዚ ድማ ናብ ሰፈር ይእቶ።

27 ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣትን ነቲ ድቤላ መስዋእቲ ሓጢኣትን፡ ደሞም ንምትዕራቕ ናብ መቕደስ ዝአተወ፡ ናብ ወጻኢ ሰፈር የውጽእዎም፡ ቈርበቶምን ስጋኦምን ፈርሶምን ከኣ ብሓዊ የንድድዎ።

28 እቲ ዘንደዶም ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ ስጋኡውን ብማይ ይተሐጸብ፡ ድሕርዚ ናብ ሰፈር ይእቶ።

29 እዚ ሕጊ ዘለኣለም ይኹንኩም፥ ኣብ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸኣ ብዓስረይቲ መዓልቲ፡ ወዲ ዓዲ ዀነ ወይ ኣብ ማእከልኩም ዚቕመጥ ስደተኛ፡ ነፍስኹም ኣዋርዱ፡ ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየዩ።

30 በታ መዓልቲ እቲኣ ምእንቲ ኽትነጽሁስ ክትተዐረቑ ኢኹም እሞ፡ ካብ ኲሉ ሓጢኣትኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክትነጽሁ ኢኹም።

31 ንኣኻትኩም ዓባይ ሰንበት ዕረፍቲ እያ፡ ነፍስኹም ከኣ ኣዋርዱ፡ ሕጊ ዘለኣለም እዩ።

32 እቲ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኻህን ኪኸውን እተቐብኤን እተቐደሰን ካህን የተዐርቕ፡ እቲ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ኣልባስ ድማ፡ እቲ ቅዱስ ኣልባስ፡ ይልበስ።

33 ነቲ ቅዱስተ ቅዱሳን ከኣ የተዐርቕ፡ ንድንኳን ምርኻብን ንመሰውእን ድማ የተዐርቕ፡ ንኻህናትን ንዂሉ ህዝቢ ማሕበርን ከኣ የተዐርቕ።

34 ንደቂ እስራኤል ሓንሳእ ኣብ ዓመት ካብ ኲሉ ሓጢኣቶም ንምትዕራቕ፡ እዚ ሕጊ ዘለኣለም ይኹነልኩም። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ኸኣ ገበረ።