ዘሌዋውያን 6

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥

2 ሰብ ንእግዚኣብሄር በደል ብምብዳሉ ሓጢኣት እንተ ገበረ፡ ብጻዩ ዘንበረሉ ሕድሪ ብምጥላሙ፡ ወይ ኣብ ኢዱ ብዘትሓዞ፡ ወይ ገለ ብዝኸተሮ ወይ ብዝዐመጾ፡

3 ወይ ገለ ጥፉእ ረኺቡ ኸሎ ኣሉ ኢሉ ብሓሶት ብምምሓሉ፡ ብሓደ ኻብ ዝዀነ ነገር ሰብ ሓጢኣት ብዝገበረሉ፡

4 ይኸውን ድማ፡ ሓጢኣት ብምግባሩ በዳሊ ምስ ኰነ፡ ንሱ እቲ ኸትሪ ዝኸተሮ፡ ወይ እቲ ዓመጽ ዝዓመጾ፡ ወይ ሕድሪ ዘንበረሉ፡ ወይ ጠፊኡ ዝረኸቦ፡

5 ወይ ብዝዀነ ነገር ሐስዩ ዝመሐለሉ ይምለሶ፡ ብምሉኡ ይምለሶ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ሕምሻኡ ይወስኸሉ። በታ መስዋእቲ በደሉ ዜቕርበላ መዓልቲ ነቲ ዋናኡ ይምለሰሉ።

6 ንመስዋእቲ በደል ድማ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ፡ ከም ገምጋምካ፡ ጐደሎ ዜብሉ ድዑል መስዋእቲ በደሉ ንእግዚኣብሄር፡ ናብ ካህን የምጽእ።

7 እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቆ፡ ካብ ዝዀነ ዝገበሮ ድማ ብእኡ በዳሊ ዝዀነ፡ ኪሕደገሉ እዩ።

8 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥

9 ንኣሮንን ንደቁን ከምዚ ኢልካ ኣዝዞም፡ ሕጊ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ እዚ እዩ፡ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ ዚነድድ ዕጨይቲ ምሉእ ለይቲ ኽሳዕ ዚወግሕ ይነበር፡ እቲ ሓዊ መሰውኢ ኸኣ ይንደድ።

10 እቲ ኻህን ቀምሽ ልሕጺ እንጣጢዕ ይከደን፡ ኣብ ስጋኡ ድማ ስረ ልሕጺ እንጣጢዕ ይግበር። ነቲ ሓመዂስቲ ናይቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ሓዊ ዝበልዖ፡ ሓፊሱ፡ ኣብ ጎቦ መሰውኢ ይግበሮ።

11 ደሓር ክዳውንቱ የውጽእ፡ ካልእ ክዳውንቲ ድማ ይከደን፡ ነቲ ሓመዂስቲ ኸኣ ካብቲ ሰፈር ኣብ ጽሩይ ቦታ የውጽኣዮ።

12 እቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ሓዊ ኣብኡ ይንደድ፡ ኣይጥፋእ። እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ጸጽባሕ ኣብ ልዕሊኡ ዕጨይቲ የንድድ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ እቲ ዝሓርር መስዋእቲ ይግበር፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ስብሒ መስዋእቲ ምስጋና የሕርር።

13 እቲ ሓዊ ወርትግ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ይንደድ፡ ኣይጥፋእ።

14 ሕጊ መስዋእቲ ብልዒ ድማ እዚ እዩ፥ ደቂ ኣሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ቅድሚ መሰውኢ የቕርብዎ።

15 ካብኡ፡ ካብቲ ናይ መስዋእቲ ብልዒ ድኹም ሓርጭ ከኣ ኢዱ ምሉእ የልዕል፡ ካብ ዘይቱ ድማ ምስቲ ኣብ ልዕሊ መስዋእቲ ብልዒ ዘሎ ዂሉ ዕጣን ገይሩ ንመዘከሪ፡ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ የሕርሮ።

16 እቲ ኻብኡ ዝተረፈ ድማ ኣሮንን ደቁን ይብልዕዎ፡ ከይበዂዔ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይበላዕ። ኣብ ኣጸድ ድንኳን ምርኻብ ኰይኖም ይብልዕዎ።

17 ብማይ ብሑቕ ኣይሰንከት። እዚ ኻብቲ ብሓዊ እተገብረ መስዋእተይ ዝሀብክዎም ግዲኦም እዩ። ከም መስዋእቲ ሓጢኣትን ከም መስዋእቲ በደል ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።

18 ካብ ደቂ ኣሮን ተባዕታይ ዝዀነ ዂሉ ይብልዓዮ። እዚ ኻብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ እተገብረ መስዋእትታት ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ዘለኣለም መሰሎም ይኹን። ነፍሲ ወከፍ ዝተንከዮ ይቀደስ።

19 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥

20 ኣሮንን ደቁን በታ ዚቕብኣላ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ዜቕርብዎ መስዋእቲ እዚ እዩ፥ ንናይ ወርትግ መስዋእቲ ብልዒ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ፡ ፈረቓኡ ብጊሓት፡ ፈረቓኡ ኸኣ ምሸት።

21 ምስ ዘይቲ ኣብ መቕሎ ይሰንከት። ምስ ተቘምጥዔ ኸኣ ኣምጽኣዮ። ንእግዚኣብሄር፡ ንጥዑም ጨና ብሱል ቈረርስ ጌርካ፡ መስዋእቲ ብልዒ ኣቕርበሉ።

22 እቲ ኻብ ደቁ ኣብ ስፍራኡ ዚቕባእ ካህን ድማ ከምኡ ይግበር። ንስርዓት ዘለኣለም ብምሉኡ ንእግዚኣብሄር ይሕረር።

23 ኲሉ ናይ ካህን መስዋእቲ ብልዒ፡ ብምሉኡ ይሕረር፡ ኣይበላዕ።

24 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥

25 ንኣሮንን ንደቁን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፥ ሕጊ መስዋእቲ ሓጢኣት እዚ እዩ፥ እቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣብታ ዚሐርር መስዋእቲ ዚሕረደላ ቦታ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይተሐረድ። ንሱ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።

26 እቲ ኻህን ብዛዕባ ሓጢኣት ዜቕርቦ፡ ይብልዓዮ። ኣብ ኣጸድ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይበላዕ።

27 ነፍሲ ወከፍ ነቲ ስጋ ዝተንከዮ ይቀደስ። ካብቲ ደም ኣብ ገለ ኽዳን እንተ ነጠረ፡ ነቲ ዝነጠሮ ዘበለ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዄንካ ሕጸቦ።

28 እቲ ዝበሰለሉ ቚራዕ ድማ ይሰበር፡ ኣብ ድስቲ ኣስራዚ እንተ በሰለ ኸኣ፡ ይፈጒፈጕ ብማይውን ይተሐጸብ።

29 ነፍሲ ወከፍ ተባዕታይ፡ ካህን ዝዀነ፡ ይብልዓዮ፡ ንሱ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።

30 መስዋእቲ ሓጢኣት ዘበለ ድማ፡ ካብ ደሙ ኣብ መቕደስ ንምትዕራቕ ናብ ድንኳን ምርኻብ ዚኣቱ፡ ብሓዊ ይንደድ እምበር፡ ኣይበላዕ።