ዘሌዋውያን 3

1 መስዋእቱ ድማ መስዋእቲ ምስጋና እንተ ዀይኑ፡ እሞ ካብ ኣሓ እንተ ኣቕረበ፡ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ፡ ጐደሎ ዜብሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርብ።

2 ኢዱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ መስዋእቱ የንብር፡ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ድማ ይሕረዶ። ነቲ ደሙ ኸኣ ካህናት፡ ደቂ ኣሮን፡ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ፡ ኣብ ዙርያኡ ይንጸግዎ።

3 ካብ መስዋእቲ ምስጋና ድማ እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዚኸድን ስብሕን ኣብ ኣምዑት ዘሎ ዂሉ ስብሕን ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ የቕርበሉ።

4 ድማ ክልቲኤን ኲሊት ምስቲ ኣብ ሽምጢ ውሽጢ ዘሎ ስብሔንን ነቲ ኣብ ጥቓ ዀለሊት ዘሎ ስብሒ ኸብድን ይፍለ።

5 ደቂ ኣሮን ድማ ኣብ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ሓዊ ዘሎ ዕጨይቲ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ የሕርርዎ። መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።

6 እቲ ንእግዚኣብሄር ንመስዋእቲ ምስጋና ዜቕርቦ መስዋእቱ ኻብ ጤለበጊዕ እንተ ዀይኑ፡ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ፡ ጐደሎ ዜብሉ የቕርብ።

7 ንመስዋእቱ ገንሸል እንተ ኣቕረበ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ።

8 ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ መስዋእቱ ኣንቢሩ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ይሕረዶ። ነቲ ደሙ ድማ ደቂ ኣሮን ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ይንጸግዎ።

9-10 ካብቲ መስዋእቲ ምስጋና ድማ እቲ ስብሑ፡ ብዘሎ ዀልኰሉ ኻብ ቀራጺቶ ፈልዩ ምስናይ እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዚኸድን ስብሕን እቲ ኣብ ናውቲ ኸብዲ ዘሎ ዂሉ ስብሕን፡ ክልቲኤን ኲሊት ምስቲ ኣብ ሽምጢ ውሽጢ ዘሎ ስብሔንን እቲ ኻብ ጥቓ ዀለሊት ዚፈልዮ ስብሒ ኸብድን ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ የቕርቦ።

11 እቲ ኻህን ድማ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። ንእግዚኣብሄር ብሓዊ እተገብረ መስዋእቲ ብልዒ እዩ።

12 መስዋእቱ ጤል እንተ ዀይና፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርባ።

13 ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሳ ኣንቢሩ ድማ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ይሕረዳ። ደቂ ኣሮን ከኣ ነቲ ደማ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ፡ ኣብ ዙርያኡ ይንጸግዎ።

14-15 ካብኡ እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዚኸድን ስብሕን ኣብ ናውቲ ኸብዲ ዘሎ ዂሉ ስብሕን፡ ክልቲኤን ኲሊት ምስቲ ኣብ ሽምጢ ውሽጢ ዘሎ ስብሔንን እቲ ኻብ ጥቓ ዂሊት ዚፈልዮ ስብሒ ኸብድን፡ መስዋእቱ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ የቕርበሉ።

16 እቲ ኻህን ድማ ነዚ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። እንጌራ መስዋእቲ ሓዊ ንጥዑም ጨና እዩ። ኲሉ ስብሒ ናይ እግዚኣብሄር እዩ።

17 እዚ ኣብ ኲሉ እትነብርዎ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን፥ ስብሒ ዘበለን ደም ዘበለን ኣይትብልዑ።