ዘሌዋውያን 12

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡

2 ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ሰበይቲ እንተ ጠነሰት፡ ወዲ ኸኣ እንተ ወለደት፡ ሾብዓተ መዓልቲ ትርከስ፡ ከምቲ ብመዓልትታት ሕማም ጻግኒኣ ትርከስ።

3 ብሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ስጋ ዕልቦኡ ይገዘር።

4 በቲ ደም ንጽህናኣ ኸኣ ሰላሳን ሰለስተን መዓልቲ ትቀመጥ፡ መዓልትታት ምንጽሃ ኽሳዕ ዚመልአ ቅዱስ ነገር ኣይትተንኪ ናብ መቕደስውን ኣይትእቶ።

5 ጓል እንተ ወለደት ግና፡ ከምቲ ብእዋን ጻግኒአ ኽልተ ሰሙን ትርከስ፡ በቲ ደም ጽርየታ ኸኣ ስሳን ሹድሽተን መዓልቲ ትቀመጥ።

6 ናይ ወዲ ወይ ናይ ጓል መዓልትታት ምንጻህ ምስ መልአ፡ ገንሸል ዓመት ንዚሐርር መስዋእቲ ጫጩት ርግቢ ወይ ከኣ ባሬቶ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ናብ ካህን ተምጽእ።

7 ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ፡ የተዐርቃ ኸኣ፡ ካብ ዓይኒ ደማውን ትነጽህ። ሕጊ እታ ወዲ ወይ ጓል ዝወለደት እዚ እዩ።

8 ገንሸል ዚአክል ኣብ ኢዳ እንተ ዘይረኸበት ከኣ፡ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ፡ ሓንቲ ንዚሓርር መስዋእቲ፡ ካልኣይቲ ኸኣ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ተምጽእ። እቲ ኻህን ድማ የተዐርቃ፡ ትነጽህ ከኣ።