ዘሌዋውያን 5

1 ሰብ፡ ቃል ማሕላ ሰሚዑ፡ ንሱ ብዝረኣዮ ወይ ብዝፈለጦ ምስክር ኰይኑ እንተ ዘይገለጾ፡ ብእኡ ሓጢኣት እንተ ገበረ፡ በደሉ ይጸውር።

2 ወይ ሓደ ኸይፈለጠ ገለ ርኹስ ነገር እንተ ተንከየ፡ ገምቢ ርኹስ ኣራዊት እንተ ዀነ፡ ወይ ገምቢ ርኹስ እንስሳ ቤት፡ ወይ ገምቢ ርኹስ ለመምታ፡ ንሱ ረኺሱ እዩ እሞ በዳሊ እዩ።

3 ወይ ከይፈለጠ ንርኽሰት ሰብ፡ ብዝዀነ ዜርክሶ ርኽሰት እንተ ተንከየ እሞ ምስ ተፈለጦ፡ በዳሊ እዩ።

4 ወይ ሓደ ገለ ኽፉእ ወይ ጽቡቕ ንምግባር፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ብዘይ ሓሳብ ከም ዚምሕል፡ ከይፈለጠ ብዘይ ሓሳብ ብኸናፍሩ እንተ መሐለ እሞ ምስ ተፈለጦ፡ ብሓደ ኻብዚ ነገርዚ በዳሊ እዩ።

5 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ካብዚ ነገርዚ ብሓደ ምስ በደለ፡ በቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ይናዘዝ።

6 ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ድማ ንመስዋእቲ በደሉ ኻብ መጓሴኡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓንቲ ሽበን ወይ ኣርሕዶ ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ። እቲ ኻህን ድማ ብዛዕባ ሓጢኣቱ የተዐርቆ።

7 ንበጊዕ ዝኣክል ዓቅሚ እንተ ዜብሉ ኸኣ፡ ንመስዋእቲ እቲ ዝገበሮ በደል ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ፡ ሓንቲ መስዋእቲ ሓጢኣት፡ ሓንቲ ኸኣ ንዝሓርር መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ።

8 ናብ ካህን የምጽኣየን፡ ንሱ ኸኣ ቅድም እታ መስዋእቲ ሓጢኣት እትኸውን የቅርብ፡ ርእሳ ኸይፈለየስ፡ ካብ ጥቃ ኽሳዳ ይጥወያ።

9 ካብቲ ደም መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ኣብ ጎቦ መሰውኢ ይንጸግ፡ ነቲ ዝተረፈ ደም ከኣ ኣብ እግሪ መሰውኢ ይጽመቆ። ንሱ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ።

10 ነታ ኻልአይቲ ኸኣ ከምቲ ስርዓት ዚሐርር መስዋእቲ ይግበራ። እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ኸኣ።

11 ንኽልተ ባሬቶ ወይ ንኽልተ ጫጩት ርግቢ ዓቅሚ እንተ ዜብሉ ግና፡ ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ንመስዋእቲ ሓጢኣቱ ዓስራይ ኣፍ ኤፉ ድኹም ሓርጭ የምጽእ። መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ ዘይቲ ኣይኽዐወሉ። ዕጣን ከኣ ኣይግበረሉ።

12 ናብቲ ኻህን ድማ የምጽኣዮ፡ እቲ ኻህን ከኣ ካብኡ ንመዘከርታ ኢዱ ምሉእ ወሲዱ፡ ኣብ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ የሕርሮ። ንሱ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ።

13 ብሓደ ኻብዚ ነገርዚ ንዝበደለ እቲ ኻህን የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ኸኣ። እቲ ዝተረፈ ድማ ከምቲ ናይ መስዋእቲ ብልዒ ንኻህናት ይኹን።

14 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥

15 ሰብ በደል እንተ በደለ፡ ብገለ እቲ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ነገር ከይፈለጠ ሓጢኣት እንተ ገበረ፡ ንመስዋእቲ በደሉ ኻብ መጎሰ ኣባጊዕ፡ ከምቲ ብሲቃል መቕደስ ብሲቃላት ብሩር ዝገምገምካሉ፡ ጎደሎ ዜብሉ ድዑል መስዋእቲ በደል ንእግዚኣብሄር የምጽኣሉ።

16 በቲ ኣብቲ ቅዱስ ነገር ዝገበሮ ሓጢኣት ይኽሐስ፡ ሓምሳይ ኣፍ ከኣ ይወስኸሉ፡ ንኻህን ድማ ይሃቦ። እቲ ኻህን ከኣ በቲ ድዑል መስዋእቲ በደል የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ድማ።

17 ሰብ ካብቲ እግዚኣብሄር፥ ኣይትግበርዎ፡ ኢሉ ዝአዘዞ ዂሉ ሓደ ብምግባሩ እንተ ሐጥኤ፡ ከይፈለጠ እኳ ኽነሱ በዳሊ እዩ እሞ፡ በደሉ ይጸውር።

18 ንመስዋእቲ በደል ከኣ ከም ገምጋምካ፡ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ ጐደሎ ዜብሉ ድዑል ናብ ካህን የምጽእ። ብዛዕባ እቲ ብዘይ ፍልጠት ዝገበሮ ጌጋ እቲ ኻህን የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ኸኣ።

19 ርግጽ ንእግዚኣብሄር በዲሉ እዩ እሞ፡ እዚ መስዋእቲ በደል እዩ።