ዘሌዋውያን 17

1 እግዝኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥

2 ንኣሮንን ንደቁን ንዂሎም ደቂ እስራኤልን፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞን ዝበሎን ነገር እዚ እዩ፡ ኢልካ ተዛረቦም፡

3 ዝዀነ ሰብ ካብ ቤት እስራኤል ብዕራይ ወይ ገንሸል ወይ ጤል ኣብ ሰፈር እንተ ሐረደ፡ ወይ ኣብ ወጻኢ ሰፈር እንተሓረደ፡

4 ኣብ ቅድሚ ማሕደር እግዚኣብሄር፡ ንእግዝኣብሄር መስዋእቲ ኬቕርቦ፡ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ እንተ ዘየምጽኦ፡ ነቲ ሰብ እቲ ኸም ዕዳ ደም ይቚጸረሉ። ደም ኲዕዩ እዩ፡ እቲ ሰብ እቲ ኻብ ማእከል ህዝቡ ኺምንቈስ እዩ።

5 ስለዚ ደቂ እስራኤል ነቲ ኣብ መሮር ዚስውእዎ ዚሕረድ መስዋእቶም ናብ እግዚኣብሄር፡ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ፡ ናብ ካህን የምጽእዎ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ንመስዋእቲ ምስጋና የቕርቡሉ።

6 እቲ ኻህን ድማ ነቲ ደም ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ እግዚኣብሄር ይንጸጎ። ነቲ ስብሒ ድማ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና የሕርሮ።

7 ደጊም እቲ ዚሕረድ መስዋእቶም ነቶም ብምንዝርና ዚስዕብዎም ኣጋንንቲ ኣይሰውኡ። እዚ ንውሉድ ወለዶኦም ሕጊ ዘለኣለም ይኹኖም።

8 ድማ ዝዀነ ሰብ፡ ካብ ቤት እስራኤል ወይ ካብቶም ኣብ መንጎኦም ዚነብሩ ጓኖት፡ ዚሐርር መስዋእቲ ወይ ዚሕረድ መስዋእቲ እንተ ኣቕረበ፡

9 ንእግዚኣብሄር ኪስውኦ ኸኣ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ እንተ ዘየምጽኦ፡ እቲ ሰብ እቲ ኻብ ህዝቡ ኺምንቈስ እዩ፡ በሎም።

10 ድማ ዝዀነ ሰብ፡ ካብ ቤት እስራኤል ወይ ካብቶም ኣብ መንጎኦም ዚነብሩ ጓኖት፡ ደም ዘበለ እንተ በልዔ፡ ነታ ደም ዝበልዔት ነፍሲ ገጸይ ናብኣ ኽመልስ እየ፡ ካብ ማእከል ህዝባ ኸኣ ክምንቊሳ እየ።

11 ነፍሲ ስጋ ኣብቲ ደም እዩ፡ ነታ ነፍሲ ዜተዐርቓ እቲ ደም እዩ እሞ፡ ኣነ ድማ ናብ ልዕሊ መሰውኢ ንነፍሳትኩም ኬተዐርቕ ኢለ ሀብኩኹም።

12 ስለዚ ንደቂ እስራኤል፡ ካባኻትኩም ሓንቲ ነፍሲ እኳ ደም ኣይትብላዕ፡ ኣብ መንጎኹም ዚነብር ጓናውን ደም ኣይብላዕ፡ በልኩ።

13 ድማ ዝዀነ ሰብ ካብ ደቂ እስራኤል ወይ ኣብ መንጎኹም ካብ ዚነብሩ ጓኖት ዚብልዓ እንስሳ ወይ ዑፍ ሀዲኑ እንተ ሐዘ፡ ነቲ ደም ይኽዐዎ፡ ሓመድ ድማ ይኽደኖ።

14 ነፍሲ ዂሉ ስጋስ፡ ንሱ እቲ ኣብ ነፍሱ ዘሎ ደሙ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንደቂ እስራኤል ከኣ፡ ናይ ዝዀነ ስጋ ደም ኣይትብልዑ፡ በልክዎም። ናይ ኲሉ ስጋ ነፍሲ ደሙ እዩ እሞ፡ ዝበልዖ ዘበለ ኺምንቈስ እዩ።

15 ዝዀነ ነፍሲ ሕሉቕ ወይ ኣራዊት ዝቐተሎ ዝበልዔ፡ ወዲ ዓዲ ዀነ ወይ ጓና፡ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሐጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን፡ ሽዑ ይነጽህ።

16 ክዳውንቱ እንተ ዘይሐጸበ፡ ስጋኡ ኸኣ እንተ ዘይተሐጽበ፡ ክፍኣቱ ኺጸውር እዩ።