ሩት 1

1 ኰነ ድማ፡ በቲ መሳፍንቲ ዚገዝእሉ ዝነበሩ ዘበን፡ ኣብታ ሃገር ጥሜት ኮነ። ሓደ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱን ክልተ ደቁን ካብ ቤት-ልሄም ይሁዳ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ኪቅመጥ ከደ።

2 ስም እቲ ሰብኣይ እቲ ኤሊሜሌክ፡ ስም ሰበይቱ ኸአ ናእሚ፡ ስም ክልቲኦም ደቁውን ማሕሎንን ኪልዮንን ይበሀሉ፡ ኤፍራታውያን ካብ ቤት-ልሄም ይሁዳ ነበሩ። ናብ ምድሪ ሞኣብ መጺኦም ከአ ኣብኣ ተቐመጡ።

3 ኤሌሜሌክ ሰብኣይ ናእሚ ድማ ሞተ እሞ፡ ንሳ ምስ ክልቲኦም ደቃ ተረፈት።

4 ንሳቶም ከአ ሞኣባውያን ኣንስቲ ኣእተዉ፡ ስም እታ ሓንቲ ዖርጳ፡ ስም እታ ኻልኣይቲ ድማ ሩት ነበረ። ዓሰርተ ዓመት ዚአክል ኣብኡ ተቐመጡ።

5 ማሕሎንን ኪልዮንን ከኣ ክልቲኦም ሞቱ። እታ ሰበይቲ ድማ ካብ ክልቲኦም ደቃን ካብ ሰብኣያን ተረፈት።

6 ሽዑ ንሳ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ከላ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኸም ዝበጽሖም፡ እንጌራውን ከም ዝሀቦም ስምዔት እሞ፡ ንሳ ምስ ክልቲኤን ኣንስቲ ደቃ ተንሲኣ ኻብ ምድሪ ሞኣብ ተመልሰት።

7 ንሳ፡ ክልቲኤን ኣንስቲ ደቃ ኸአ ምስኣ፡ ካብታ ዝነበረታ ቦታ ወጸት። ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺምለሳ ድማ መገደን ከዳ።

8 ናእሚ ኸአ ንኽልቲኤን ኣንስቲ ደቃ፡ ኪዳ፡ ነፍሲ ወከፍክን ነናብ ቤት ኣዴኽን ተመለሳ። ከምቲ ምስቶም ምውታትን ምሳይን ዝገብርክናኦ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻትክን ምሕረት ይግበር።

9 ነፍሲ ወከፍክን ከአ ኣብ በቤት ሰብኣይክን ዕረፍቲ ኽትረኽባ እግዚኣብሄር ይሀብክን፡ በለተን። ሽዑ ሰዐመተን፡ ንሳተን ከአ ድምጸን ዓው ኣቢለን በኸያ፡

10 ኣይፋልናን ምሳኺ ደኣ ናብ ህዝብኺ ንምለስ በላኣ፡

11 ናእሚ ግና፡ ደቀየ፡ ስለምንታይከ ምሳይ እትኸዳ፧ ተመለሳ ደአ፡ ደጊምዶ ሰብኡትክን ዝኾኑ ደቂ ኣብ ከርሰይ ኣልዮምኒ፧

12 ደቀየ፡ ሰብኣይ ከይእቶ ኣሪገ እየ ኣሞ፡ ኪዳ ደአ ተመለሳ። ተስፋ ኣሎኒ እኳ እንተ ዝብልሲ፡ ኤረ ሎሚ ለይቲ ሰብኣይ እንተ ዝእቶ፡ ኣወዳት ከአ ኣንተ ዝወልድ፡

13 ንሳቶም ክሳዕ ዚዐብዩዶ ኽትጸንሓ ኢኽን፧ ምእንቲ እዚኸ ሰብኣይ ከይተአቶኽንዶ ኽትነብራ ኢኽን፧ ኣይፋልክን ደቀየ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣባይ ወጺኣ እያ እሞ፡ ካብ ንኣኻትክንሲ ኣዝዩ ንኣይ ይመርር በለተን።

14 ሽዑ መሊሰን ድምጸን ዓው ኣቢለን በኸያ። ዖርጳ ንሓማታ ስዐመታ፡ ሩት ግና ምስኣ ተጸግዔት።

15 ንሳ ድማ፡ ሰበይቲ ሓሙትኪ እንሃ፡ ናብ ህዝባን ናብ ኣምላኻን ተመሊሳ፡ ንስኺውን ደድሕሪ ሰበይቲ ሓሙትኪ ተመለሲ፡ በለታ።

16 ሩት ግና፡ ሓዲገኪ ኻባኺ ንድሕሪት ክምለስሲ ግዲ ኣይትበልኒ። ናብ እትኸድዮ እኸይድ ኣብ እትሓድርዮ ኸአ እሓድር፡ ህዝብኺ ህዝበይ፡ ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ።

17 ኣብታ እትሞትላ እመውት፡ ኣብኣ ድማ እቕበር፡ ንኣይን ንኣኽን ብጀካ ሞት ካልእ እንተ ፈልዮናስ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚ ኸአ ይወሰኸኒ በለት።

18 ምስኣ ንምኻድ ከም ዝቖረጸት ምስ ረአየት፡ ምዝራባ ሓደገት።

19 ናብ ቤት-ልሄም ክሳዕ ዚበጽሓ ኸአ ክልቲኤን ከዳ። ኮነ ድማ፡ ናብ ቤት-ልሄም ምስ ኣተዋ፡ ብዘላ እታ ኸተማ ብዛዕባኤን ተበዐደት። እተን ኣንስቲ ኸአ፡ እዚኣስ እምበርዶ ናእሚ እያ፧ በላ።

20 ንሳ ድማ፡ እቲ ኹሉ ዚኽእል ብዙሕ ኣመሪሩኒ እዩ እሞ፡ ማራ ደኣ በላኒ እምበር፡ ናአምስ ኣይትበላኒ።

21 ኣነ መሊኤ ኸድኩ፡ እግዚኣብሄር ከአ ጥራየይ መለሰኒ። እግዚኣብሄር ካብ መስከረለይ፡ እቲ ኹሉ ዝኽእል ድማ ካብ ኣኽፍኣለይከ፡ ስለምንታይ ናእሚ ትብላኒ ኣሎኽን፧ በለተን።

22 ናእሚ ድማ ተመልሰት፡ ሩት እታ ኻብ ምድሪ ሞኣብ እተመልሰት ሞኣባዊት ሰበይቲ ወዳ ኸአ ምስኣ ነበረት። ንሳተን ብመጀመርታ ዓጺድ ስገም ናብ ቤት-ልሄም ኣተዋ።