ናሆም 1

1 ጾር ነነዌ። መጽሓፍ ናሆም ኣልቆሻዊ።

2 እግዚኣብሄር ቀናእን ፈዳይ ሕነን ኣምላኽ እዩ።እግዚኣብሄር ፈዳይ ሕነን ቍጥዓ ዝመልኤን እዩ። እግዚኣብሄር ንተጻረርቱ ሕነ ይፈድዮም፣ ንጸላእቱ ኸኣ ይቕየሞም።

3 እግዚኣብሄር ንዅራ ደንጓይን ብዓል ዓብዪ ሓይልን እዩ፣ ነቲ በዳሊ ከቶ ኸም ንጹህ ኣይቈጽሮን፣ እግዚኣብሄር ብሸምቦባን ብህቦብላን እዩ መገዱ፣ ደበና ኸኣ ተጐጓ ኣኣጋሩ እዩ።

4 ነቲ ባሕሪ ይገንሖን የንቅጾን፣ ንዅሉ ርባታት የንጽፎ፣ ባሳንን ቀርሜሎስን ጸምለዉ፣ ዕምባባ ሊባኖስውን ጸምለወ።

5 ኣኽራን ኣብ ቅድሚኡ የንቀጥቅጡ፣ ኵርባታት ከኣ ይመኩ፣ ምድርን ዓለምን ኣብኣ ዚነብሩ ዅላቶምን ኣብ ቅድሚኡ ይናወጹ።

6 ኣብ ቅድሚ ዅራኡ ደው ዚብል መን እዩ∶ ኣብ ረስኒ ቝጥዓኡስ መን ይቐውም፣ ነድሩ ኸም ሓዊ ይልሕም ነኻውሕውን ይጭንድሖ።

7 እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፣ ብመዓልቲ ጸበባ ዕርዲ እዩ፣ ነቶም ኣብኡ እተማዕቈቡ ድማ ይፈልጦም እዩ።

8 ንሱ ነቲ ቦታኣ ብዚድምስስ ውሒዝ ጥራስ ኬጥፍኣ ኣዩ፣ ንጸላኣቱ ኸኣ ናብ ጸልማት ኪሰጎም እዩ።

9 ኣንጻር እግዚኣብሄር እንታይ ትሓስቡ∶ ንሱስ ብጥራስ ኬጥፋኣ እዩ፣ ጸበባ ኻልኣይ ሳዕ ኣይኪለዐልን እዩ።

10 ምንም እኳ ኸም እሾዅ እንተ ተተናነጉ፣ ብወይኖምውን እንተ ሰኸሩ፣ ከም ንቑጽ ብርዒ ብጥራስ ሞዅ ኪብሉ እዮም።

11 እቲ ንእግዚኣብሄር እከይ ዝሐስበሉ፣ ሕሰም ከኣ ዚመኽረሉ፣ ካባኻ ወጸ።

12 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ምንም እኳ ሓያላትን ብዙሓት እንተ ዀኑ፣ ኪዕጸዱ እዮም፣ ንሱውን ኪጠፍእ እዩ። ኣነ ኣጨነቕኩኻ፣ ድሕሪ ደጊምሲ ኣይከጨንቐካን እየ።

13 ሕጂ ድማ ኣርዑቱ ካባኻ ኽሰብር እየ፣ ንማእሰሪታትካ ኸኣ ክበታትኾ እየ።

14 እግዚኣብሄር ድሕርዚ ኻብ ስምካ ኣይዘራእ፣ ኣነ ነቲ ቕሩጽ ምስልን ነቲ ፍሱስ ምስልን ካብ ቤት ኣማልኽትኻ ኸጥፍኦ እየ፣ እትነዐቕ ኢኻ እሞ፣መቓብር ክገብረልካ እየ፣ ኢሉ ብዛዕባኻ ኣዘዘ።

15 እንሆ ኣእጋር እቲ ብስራት ዜበስር፣ ሰላም ከኣ ዜውሪ ኣብ ኣኽራን ኣለዋ። ደጊምሲ እቲ ሕሱም ኣብ ማእከልካ ኣይኪሐልፍን ብጥራስ ከኣ ጸኒቱ እዩ እሞ፣ ዎ ይሁዳ፣ በዓላትካ ኣብዕል፣ መብጽዓኻ ፈጽም።