ወ. ዮሐንስ 1

1 ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ።

2 እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ።

3 ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን።

4 ህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት።

5 ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሓዞን።

6 ዮሃንስ ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ኣምላኽ ተልኢኹ ተንስኤ።

7 ኵሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር ንሱ ንምስክር መጸ።

8 ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን።

9 እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ።

10 ኣብ ዓለም ነበረ፡ ዓለምውን ብእኡ ዀነት፡ ዓለም ግና ኣይፈለጠቶን።

11 ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን።

12 ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም።

13 ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም።

14 እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና።

15 ዮሃንስ ብዛዕባኡ መስከረ፡ እቲ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ዝነበረ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ነበረ፡ እቲ ብዛዕባኡ ዝበልኩ ንሱ እዩ፡ ኢሉ ጨደረ።

16-17 ሕጊ ብሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ጸጋን ሓቅን ግና ብኢየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምብኣርከ ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና፡

18 ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፡ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲ፡ ንሱ ኣግሃዶ።

19 ኣይሁድ፥ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሎም ኪሐትዎ፡ ካብ ኢየሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን ምስ ለኣኹሉ፡ ምስክር ዮሃንስ እዚ እዩ፥

20 ንሱውን፥ ኣነስ ክርስቶስ ኣይኰንኩን፥ ኢሉ ተኣመነ እምበር፡ ኣይከሐደን።

21-22 ሽዑ ንሳቶም፡ መን ደኣ ኢኻ፧ ነቶም ዝለኣኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲ፡ ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፡ በልዎ።

23 ንሱ ኸኣ፥ ኣነስ፡ ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ፥ መገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፡ ዝበሎ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ፡ በሎም።

24 እቶም ልኡኻት ካብ ፈሪሳውያን ነበሩ።

25 ንሳቶም ከኣ፥ እምብኣርሲ ክርስቶስ፡ ወይ ኤልያስ፡ ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስ፡ ንምንታይ ደኣ ተጥምቕ አሎኻ፡ ኢሎም ሐተትዎ።

26 ዮሃንስ ድማ፥ ኣነ ብማይ ኤጥምቕ አሎኹ፡ ግናኸ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ኣብ ማእከልኩም ደው ኢሉ አሎ።

27 እቲ ቕድመይ ዝነበረ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ንሱ እዩ፡ ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ እኳ ዘይበቕዕ እየ፡ ኡሉ መለሰ።

28 እዚ ኣብቲ ዮሃንስ የጥምቐሉ ዝነበረ፡ ኣብ ቢታንያ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኰነ።

29 ንጽብሒቱ ዮሃንስ ንኢየሱስ፡ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ረኣየ እሞ፥ እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ።

30 እቲ ብዛዕባኡ፥ ሓደ ሰብኣይ ድሕረይ ይመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ነይሩ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ኰነ፡ ዝበልክዎ እዚ እዩ።

31 ኣነ ድማ ኣይፈለጥክዎን፡ ንሱ ንእስራኤል ምእንቲ ኺግለጽ ግና፡ ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጻእኩ።

32 ዮሃንስ ድማ፡ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ ርኤኹ፡ ኢሉ መስከረ።

33 እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለኣኸኒ ደኣ፥ እቲ፡ መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ እትርእዮ፡ ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕ፡ ኢሉኒ እምበር፡ ኣነስ ኣይፈለጥክዎን።

34 ኣነ ኸኣ ርኤኹ እሞ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስከርኩ።

35 ንጽብሒቱ ድማ ዮሃንስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ደው ኢሉ ነበረ።

36 ንኢየሱስ ኪሐልፍ ከሎ ረኣዮ እሞ፥ እንሆ፡ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ።

37 እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ እዚ ኺብል ከሎ ሰሚዖም፡ ንኢየሱስ ሰዓብዎ።

38 ኢየሱስ ከኣ ግልጽ ኢሉ ኺስዕብዎ ኸለዉ ርእዩ፥ እንታይ ትደልዩ አሎኹም፧ በሎም። ንሳቶም ድማ፥ ረቢ፦ ትርጉሙ መምህር፦ ኣበይ ሰፊርካ አሎኻ፧ በሎዎ።

39 ንሱ፥ ንዑ ርኣዩ፡ በሎም። መጺኦም ኣበይ ከም ዝሰፈረ ረኣዩ፡ ሽዑ መዓልቲውን ምስኡ ወዓሉ። ኣስታት ዓስረይቲ ሰዓት ኣቢላ ኸኣ ነበረት።

40 ካብቶም ንዮሃንስ ሰሚዖም ንኢየሱስ ዝሰዓብዎ ኽልተስ እቲ ሓደ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ እዩ።

41 ንሱ ቕድም ንሓዉ ስምኦን ረኸቦ እሞ፥ ንመሲሕ፦ ክርስቶስ ዝትርጉሙ፦ ረኺብናዮ፡ በሎ።

42 ናብ ኢየሱስውን ኣምጽኦ፡ ኢየሱስ ከኣ ጠሚትዎ፥ ንስኻ ስምኦን ወዲ ዮና ኢኻ። ንስኻ ኬፋ- ጴጥሮስ ዝትርጉሙ፦ ክትብሃል ኢኻ፡ በሎ።

43 ንጽብሒቱ ኢየሱስ ናብ ገሊላ ኪኸይድ ደለየ፡ ንፊልጶስ ከኣ ረኸቦ እሞ፡ ስዓበኒ፡ በሎ።

44 ፊልጶስ ከኣ ብዓል ቤተ- ስይዳ ዓዲ እንድርያስን ጴጥሮስን እዩ።

45 ፊልጶስ ንናትናኤል ረኸቦ እሞ፥ እቲ፡ ሙሴ ኣብ ሕጊ ነብያትውን ብዛዕባኡ ዝጸሐፉ፡ ኢየሱስ፡ ወዲ ዮሴፍ ብዓል ናዝሬት፡ ረኺብናዮ፡ በሎ።

46 ናትናኤል ድማ፥ ካብ ናዝሬት ገለ ሰናይ ኪመጽእ'ዶ ይከኣል እዩ፧ በሎ። ፊልጶስውን፥ ንዓ ርኤ፡ በሎ።

47 ኢየሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ፡ ብዛዕባኡ፥ እንሆ፡ ጕርሒ ዜብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊ፡ በለ።

48 ናትናኤል፥ ኣበይ ትፈልጠኒ፧ በሎ። ኢየሱስ ከኣ፥ ፊልጶስ ከይጸውዓካ፡ ኣብ ትሕቲ በለስ ከሎኻ ርእየካ፡ ኢሉ መለሰሉ።

49 ናትናኤል ድማ፥ ረቢ፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።

50 ኢየሱስ ድማ፥ ኣብ ትሕቲ በለስ ርእየካ ስለ ዝበልኩኻዶ ኣሚንካ፧ ካብዚ ዚዓቢ ነገር ክትርኢ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።

51 ካብ ሕጂ ሰማይ ተኸፊቱ፡ መላእኽቲ ኣምላኽውን ናብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ኪድይቡን ኪወርዱን ከም እትርእዩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎ።