ወ. ዮሐንስ 19

1 ሽዑ ጲላጦስ ንኢየሱስ ወሲዱ ገረፎ።

2 እቶም ጭፍራ ኸኣ ኣኽሊል እሾኽ ተኒጎም፡ ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፡ ቀይሕ ባርኖስውን ከደንዎ።

3 መመጺኦም ከኣ፥ ዎ ንጉስ ኣይሁድ፡ ከመይ ኢኻ፧ ይብልዎ ገጹውን ይጸፍዕዎ ነበሩ።

4 ጲላጦስ ከም ብሓድሽ ናብ ወጻኢ ወጺኡ፥ እዚ ሰብኣይዚ ሓንቲ በደል እኳ ኸም ዘይረኸብኩሉ ኽትፈልጡ፡ እንሆ፡ ናብ ወጻኢ ኤውጽኣልኩም አሎኹ፡ በሎም።

5 ሽዑ ኢየሱስ ኣኽሊል እሾኽ ደፊኡን ቀይሕ ባርኖስ ተኸዲኑን ናብ ወጻኢ ወጸ። ጲላጦስ ድማ፥ እንሆ እቲ ሰብኣይ፡ በሎም።

6 ሊቃውንቲ ካህናትን እቶም ገላውን ምስ ረኣይዎ፥ ስቐሎ፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉ። ጲላጦስ ከኣ፥ ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን፡ ንስኻትኩም ወሲድኩም ስቐልዎ፡ በሎም።

7 ኣይሁድ ከኣ፥ ንሕና ሕጊ አሎና፡ ንሱ ንርእሱ ወዲ ኣምላኽ ገይሩ እዩ እሞ፡ ከም ሕግና ኺመውት ይግብኦ እዩ፡ ኢሎም መለሱሉ።

8 ጲላጦስ እዚ ዘረባዚ ምስ ሰምዔ፡ ኣዝዩ ፈርሄ።

9 ከም ብሓድሽ ናብ መጋባእያ ኣተወ እሞ ንኢየሱስ፥ ኣታ፡ ካበይ ኢኻ፧ በሎ። የሱሱ ግና ኣይመለሰሉን።

10 ጲላጦስ ከኣ፥ ንኣይከ ኣይትዛረበንን ዲኻ፧ ክሰቕለካን ክፈትሓካን ስልጣን ከም ዘሎኒዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧ በሎ።

11 ኢየሱስ ከኣ፥ ካብ ላዕሊ እንተ ዘይውሀበካስ፡ ኣባይ ስልጣን ኣይምሀለወካን ነይሩ። ስለዚ እቲ ኣባኻ ዘትሕዘኒ ሓጢኣቱ ዝገደደ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ።

12 ካብኡ ንነጀው ጲላጦስ ኪፈትሖ ደለየ። ኣይሁድ ግና፥ ነዚ እንተ ፈታሕካዮ፡ ፈታው ቄሳር ኣይኰንካን። ርእሱ ኼንግስ ዚደሊ ዘበለ ዅሉ መቐናቕንቲ ቄሳር እዩ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉ።

13 ጲላጦስ ነዚ ዘረባዚ ምስ ሰምዔ፡ ንኢየሱስ ናብ ወጻኢ ወሲዱ፡ ኣብቲ ጸፍጸፍ ዚብልዎ፡ ብእብራይስጢ ገበታ ዚብሀል ስፍራ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐመጠ።

14 ድሮ ፋስጋ፡ ኣስታት ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ነበረ። ንኣይሁድ ከኣ፥ እንሆ ንጉስኩም፡ በሎም።

15 ሽዑ ንሳቶም፥ ንየው በሎ፡ ንየው በሎ፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉ። ጲላጦስ ከኣ፥ ንንጉስኩምዶ ኽሰቕሎ፡ በሎም። እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ከኣ፥ ብዘይ ቄሳር ንጉስ የብልናን፡ ኢሎም መለሱ።

16 ሽዑ ኺሰቕልዎ ኣሕሊፉ ሀቦም። ተቐቢሎም ድማ ወሰድዎ።

17 መስቀሉ ጾይሩ ኸኣ፡ ቀረንቀራ ርእሲ ናብ እትብሀል ስፍራ፡ ብእብራይስጢ ድማ ጐልጎታ እትብሀል፡ ወጸ።

18 ኣብኣ ሰቐልዎ፡ ክልተ ኻልኦት ድማ ምስኡ፡ ሓደ በዚ፡ ሓደ በቲ፡ ኢየሱስውን ኣብ ማእከሎም።

19 ጲላጦስ ድማ ጽሕፈት ጽሒፉ ኣብቲ መስቀል ኣንበሮ። እቲ ጽሕፈት ኸኣ ኢየሱስ ናዝራዊ፡ ንጉስ ኣይሁድ፡ ዚብል እዩ።

20 እታ ኢየሱስ እተሰቕለላ ስፍራ ጥቓ እታ ኸተማ ስለ ዝነበረት፡ ነዚ ጽሑፍ እዚ ብዙሓት ካብ ኣይሁድ ኣንበብዎ። እቲ ጽሕፈት ኸኣ ብቛንቛ እብራይስጥን ሮሜን ጽርእን እዩ።

21 ስለዚ እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ኣይሁድ ንጲላጦስ፥ ንሱ ባዕሉ፥ ኣነ ንጉስ ኣይሁድ እየ፡ ከም ዝበለ ደኣ እምበር፡ ንጉስ ኣይሁድ እዩ፡ ኢልካስ ኣይትጽሐፍ፡ በልዎ።

22 ጲላጦስ፥ ዝጸሐፍክዎ ጸሐፍኩ፡ ኢሉ መለሰ።

23 እቶም ዓቀይቲ ግና ንኢየሱስ ምስ ሰቐልዎ፡ ክዳውንቱ ኣልዒሎም ኣብ ኣርባዕተ ምስ መቐልዎ፡ ነንሓደ ዓቀይታይ ግዲኡ፡ ነቲ ቐምሹውን ከምኡ። እቲ ቐምሹ ግና ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ዅለንትናኡ እሉም ነበረ እምበር፡ ስፋይ ኣይነበሮን።

24 ንሓድሕዶም ከኣ፥ ንዝበጽሔ ኪበጽሖስ ዕጭ ደኣ ነውድቐሉ እምበር፡ ኣይንቕደዶ፡ ተባሃሀሉ። እቲ ክዳውንተይ ንርእሶም ተማቐልዎ፡ ንቐምሸይውን ዕፅ ተዋደቑሉ፡ ዝብል ጽሑፍ ምእንቲ ኪፍጸም እዮም እቶም ዓቀይቲ እዚ ዝገበሩ።

25 ኣብ ጥቓ መስቀል ኢየሱስ ከኣ ኣዲኡን ሓብቲኖኡ ማርያም ሰበይቲ ቀሌዮጳን ማርያም መግደላዊትን ደው ኢለን ነበራ።

26 ኢየሱስ ነዲኡን ነቲ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙርውን ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሉን ምስ ረኣየ፡ ነዲኡ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንሆ ወድኺ፡ በላ።

27 ነቲ ወደ መዝሙር ከኣ፥ እንሃ ኣዴኻ፡ በሎ። እቲ ወደ መዝሙርውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ።

28 ድሕርዚ ኢየሱስ ኵሉ ኸም እተፈጸመ ፈሊጡ፡ እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኪፍጸም፥ ጸማእኩ፡ በለ።

29 ኣብኡ መጺጽ ዝመልኤ ኣቕሓ ነበረ፡ ሽዑ መጺጽ ዝመልኤ ሰፍነግ ኣብ ዘንጊ ስምዕዛ ገይሮም ናብ ኣፉ ኣቕረቡሉ።

30 ኢየሱስ ከኣ ነቲ መጺጽ ዝመልኤ ምስ ጠዐመ፥ ተፈጸመ፡ በለ። ርእሱ ኣድነነ፡ ነፍሱውን ወጸት።

31 ስለዚ፡ ድሮ ሰንበት ነበረ እሞ፡ እታ ሰንበት እቲኣ ክብርቲ በዓል ዓመት ስለ ዝዀነት፡ እቲ ስጋኦም ኣብ መስቀል ምእንቲ ኸይሐድር፡ መሓዅልቶም ሰሰቢሮም ኬውርድዎም፡ እቶም ኣይሁድ ንጲላጦስ ለመንዎ።

32 ሽዑ እቶም ዓቀይቲ መጺኦም መሓዅልቲ እቲ ቐዳማይን ናይቲ ምስኡ እተሰቕለ ኻልኣይን ሰበሩ።

33 ናብ ኢየሱስ ምስ መጹ ግና፡ ሽዓ ኸም ዝሞተ ርእዮም፡ መሓዅልቱ ኣይሰበርዎን።

34 ሓደ ካብቶም ዓቀይቲ ግና ጐድኑ ብዅናት ወግኦ፡ ብኡብኡ ኸኣ ደምን ማይን ወጸ።

35 እቲ ዝረአየ ኸኣ መስከረ፡ ምስክሩውን ሓቂ እዩ። ንሱ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትኣምኑ፡ ሓቂ ኸም እተዛረበ ይፈልጥ አሎ።

36 እቲ፥ ካብኡ ሓደ ዓጽሚ እኳ ኣይኪሰብሩን እዮም፡ ዚብል ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ እዚ ዝዀነ።

37 ካልእ ጽሑፍውን፥ እቶም ዝወግእዎ ኺርእይዎ እዮም፡ ይብል እዩ።

38 ድሕርዚ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ፡ እቲ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሄ ብሕቡእ ወደ መዝሙር ኢየሱስ ዝነበረ፡ ንሱ ስጋ ኢየሱስ ኪወስድ ንጲላጦስ ለመኖ። ጲላጦስ ከኣ ፈቐደሉ። ሽዑ ኸይዱ ንስጋ ኢየሱስ ወሰዶ።

39 እቲ ቕድም ብለይቲ ናብ ኢየሱስ መጺኡ ዝነበረ ኒቆዲሞስውን መጸ እሞ ኣስታት ሚእቲ ነጥሪ ዚኣክል ከርበን ዓልወን እተሖሰ ኣምጽኤ።

40 ንስጋ ኢየሱስ ወሲዶም፡ ከምቲ ልማድ ቀብሪ ኣይሁድን ኣጋናንዛኦምን ብበፍታ ምስ ሽቱ ገይሮም ገነዝዎ።

41 ኣብታ እተሰቕለላ ስፍራ ድማ ኣታክልቲ ነበረ። ኣብታ ኣታኽልቲ ኸኣ እተቐብረሉ ዜብሉ ሓድሽ መቓብር ጸንሔ።

42 እቲ መቓብር ቀረባ ነበረ እሞ፡ ድሮ ሰንበት ስለ ዝነበረ፡ ንኢየሱስ ኣብኡ ኣንበርዎ።