3ይ ዮሐንስ 1

1 ካብቲ ሽማግለ ናብቲ ፍቁር፡ ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮ ጋይዮስ።

2 ኣታ ፍቁር፡ ከምቲ ነፍስኻ ዝጠዐየት፡ ብዅሉ ደሓን ክትህሉን ክትጥዕን እምነየልካ አሎኹ።

3 ንስኻ በታ ሓቂ ትመላለስ ከም ዘሎኻ፡ ኣሕዋት መጺኦም ስለ እታ ኣባኻ ዘላ ሓቂ ብምምስካሮም ብዙሕ ተሐጐስኩ።

4 ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዚዐቢ ሓጐስ የብለይን።

5 ኣታ ፍቁረይ፡ እቲ ነቶም ኣሕዋትን ኣጋይስን እትገብሮ ዘሎኻ ዘበለ ተኣሚንካ ትገብሮ አሎኻ።

6 እዚኣቶም ብናይ ፍቅርኻ ኣብ ቅድሚ ማሕበር መስኪሮም አለዉ። ንኣምላክ ከም ዚበቅዕ ጌርካ ንመገዶም እንተ ኣፋኖኻዮም ድማ፡ ሰናይ ትገብር አሎኻ።

7 ንሳቶም ካብቶም ኣህዛብ ሓንቲ እኳ ኸይወሰዱ ምእንቲ እቲ ስም እቲ እዮም ዝወጹ።

8 እምብኣርስኸ፡ ነታ ሓቂ መዓይይታ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንሕና ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ኽንቅበሎም ይግብኣና እዩ።

9 ኣነ ናብታ ማሕበር ሓደ ነገር ጽሒፈ አሎኹ፡ እቲ ኣውራኦም ኪኸውን ዚደሊ ድዮትሬፌስ ግና ኣይቅበለናን እዩ።

10 ስለዚ፡ እንተ መጻእኩ፡ ኣነ ነቲ ንሱ ብእኩይ ዘረባ እናጸረፈና ዚገብሮ ዘሎ ግብሪ ኸዘክሮ እየ። በዚ ድማ ምእካል ኣብይዎስ፡ ባዕሉ ነቶም ኣሕዋት ኣይቕበሎምን፡ ነቶም ኪቕበልዎም ዚደልዩ ኸኣ ይክልክሎም ካብ ማሕበርውን የውጽኦም አሎ።

11 ኣታ ፍቁረይ፡ ነቲ ሰናይ ደኣ እምበር፡ ነቲ እኩይሲ ኣይትቃጸጾ። እቲ ሰናይ ዚገብር ካብ ኣምላኽ እዩ፡ እቲ እኩይ ዚገብር ንኣምላኽ ኣይረኣዮን።

12 ንድሜጥሮስ ኵላቶም ይምስክሩሉ አለዉ፡ እታ ሓቂ ባዕላ ድማ ትምስክረሉ አላ። ንሕናውን ንምስክረሉ አሎና፡ ምስክርና ሓቂ ምዃና ድማ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።

13-14 ቀልጢፈ ኽርእየካ ተስፋ እገብር አሎኹ፡ ሽዑ ኣፍ ንኣፍ ክንዛራረብ ኢና እምበር፡ ብዙሕ ዝጽሕፈልካ ነይሩኒ፡ ግናኸ ብቐለምን ብርዕን ክጽሕፈልካ ኣይፈቶኹን።

15 ሰላም ምሳኻ ይኹን። እቶም ፍቁራትና ሰላም ይብሉኻ አለዉ። ነቶም ፍቁራትና በብስሞም ሰላም በሎም።