ሐጌ 1

1 ብኻልኣይቲ ዓመት ንጉስ ዳርዮስ፣ ብሳድሰይቲ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒ ኸኣ ብቐዳመይቲ መዓልቲ፣ ብኢድ ነብዪ ሃጌ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዘሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤል፣ ምስለኔ ይሁዳን ናብ እያሱ ወዲ ይሆጻዳቅ ሊቀ ኻህናትን መጸ።

2 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እዚ ህዝቢ እዚ፣ እቲ ጊዜ፣ ቤት እግዚኣብሄር እትስርሓሉ ጊዜ፣ ኣይበጽሔን፣ ይብል ኣሎ።

3-4 ግናኸ እዛ ቤት እዚኣ ዖንያ ኸላስ፣ ንስኻትኩም ኣብ ስሉም ኣባይትኹም ክትነብሩዶ ጊዜኹም እዩ∶ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ብኢድ ነብዪ ሃጌ መጸ።

5 እምብኣርሲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እስከ ብልብኹም መገድኹም ሕሰቡ።

6 ንስኻትኩም ብዙሕ ዘራእኩም፣ ሒደት ኣእቶኹም። በላዕኩም ኣይጸገብኩምን፣ ሰቴኹም ኣይረዌኹምን፣ ተኸደንኩም ኣይሞቝኩምን፣ እቲ ውዕለቱ ዜእቱ ነቲ ዝወዐሎ ኣብ ነዃል ማሕፉዳ የንብሮ ኣሎ።

7 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ብልብኹም መገድኩም ሕሰቡ፣ ይብል ኣሎ።

8 ናብ ኣኽራን ደይቡ፣ ዕጨይቲ ኣምጽኡ፣ ነታ ቤት ከኣ ስርሕዋ። ኣነ ድማ ብእእ ክሕጐስን ክኸብርን እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።

9 ንስኻትኩም ብዙሕ ተጸቤኹም፣ እንሆ ኸኣ፣ ሒደት እዩ፣ ናብ ቤት ምስ ኣእቶኹምዎ ኸኣ፣ ኣነ ኡፍ በልኩሉ። ስለምንታይ∶ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ነፍሲ ወከፍኩም ናብ በቤትኩም እናጐየኹምሲ፣ ቤተይ ስለ ዝዐነወት እዩ።

10 ስለዚ ሰማያት ብሰርኹም ኣውሊ ኸልከለ፣ ምድሪ ኸኣ ፍሬኣ ኸልኤት።

11 ኣነውን ኣብ ልዕሊ ምድርን ኣብ ልዕሊ ኣኽራንን ኣብ ልዕሊ እኽልን ኣብ ልዕሊ ወይንን ኣብ ልዕሊ ዘይትን ኣብ ልዕሊ እቲ ምድሪ እተብቍሎን ኣብ ልዕሊ ሰብን ኣብ ልዕሊ እንስሳን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዕዮ ኣእዳውን ደርቂ ጸዋዕኩ።

12 ሽዑ ዘሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤልን እያሱ ወዲ ይሆጻዳቅ፣ ሊቀ ኻህናትን እቶም ካብቲ ህዝቢ ዝተረፉ ዅላቶምን ንደሃይ እግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንቓል ነብዪ ሃጌን፣ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ዝለኣኾ፣ ሰምዕዎ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፈርሁ።

13 ሃጌ ልኡኽ እግዚኣብሄር በታ መልእኽቲ እግዚኣብሄር ንህዝቢ፣ ኣነ ምሳኻትኩም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር፣ ኢሉ ተዛረቦም።

14-15 እግዚኣብሄር ከኣ ንመንፈስ ዘሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤል፣ ምስለኔ ይሁዳን ንመንፈስ እያሱ ወዲ ይሆጻዳቅ፣ ሊቀ ካህናት ንመንፈስ ኵሎም እቶም ዝተረፉ ህዝብን ኣንቅሖ። ንሳቶም ከኣ በታ ኻልኣይቲ ዓመት ንጉስ ዳርዮስ፣ ብሳድሰይቲ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒ ድማ ብመበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ መጹ፣ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣምላኾም ከኣ ይሰርሑ ነበሩ።