አብድያ 1

1 ራእይ ኦብድያ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ ኤዶም ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ተንስኡ፣ ምስኣ ኽንዋጋእስ ንለዐል፣ ዚብል መልእኽቲ ኻብ እግዚኣብሄር ሰማዕና፣ ልኡኽ ድማ ኣብ ህዝብታት ተላእከ።

2 እንሆ፣ ኣብ ማእክል ህዝብታት ኣንኣስኩኻ፣ ንስኻ ኣዚኻ እተነዐቕካ ኢኻ።

3 ኣታ ኣብ ምንቃዕ ኣኻውሕ እትነብር፣ መቐመጢኻ ልዕል ዝበለ፣ ልብኻ ድም፣ መን እዩ ናብ ምድሪ ዘውርደኒ∶ እትብል፣ ትዕቢት ልብኻ ኣስሐተካ።

4 ከም ንስሪ እኳ ልዕል እንተ በልካ፣ ቤትካውን ኣብ ማእከል ከዋኽብቲ እንተ ገበርካ፣ ካብኡ ኸውርደካ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።

5 ሰረቕቲ ወይስ ከተርቲ ብለይቲ እንተ ዚመጹኻ፦ ክንደይ ኰን በረስካ፦ ክሳዕ ዚኣኽሎምዶ ኣይምሰረቑን∶ በተኽቲ ወይኒ እንተ ዚመጹኻስ፣ ገለ ዘለላዶ ኣይምሐደጉልካን∶

6 ኣየ፣ ኤሳው ክንደይ ተጐርጐረ፣ እቲ ሕቡእ መዝገቡስ ክንደይ ተደልየ።

7 እቶም ቃል ኪዳን ዝኣተዉልካ ሰባት ኵሎም ክሳዕ ዶብ ሰደዱኻ፣ እቶም እትኣምኖም ሰባት ከኣ ጠበሩኻ፣ ዐብለለኡኻ ድማ፣ እቶም እንጌራኻ ዝበልዑውን፣ ኣእምሮ የብሉን፣ ኢሎም ኣብ ትሕቴኻ መፈንጠራ ዘርግሑልካ።

8 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ኻብ ኤዶም ጠቢባን፣ ካብ ከረን ኤሳው ከኣ ምስትውዓልዶ ኣይከጥፍእን እየ?

9 ኣታ ቴማን፣ ሰብ ዘበለ ካብ ከረን ኤሳው ብምቓታል ኪጥረስሲ፣ ጀጋኑኻ ተስፋ ኪቘርጹ እዮም።

10 ብምኽንያት እቲ ንሓውካ ያእቆብ ዝገበርካዮ ዓመጽ፣ ሕፍረት ኪኸድነካ እዩ፣ ንዘለኣለም ከኣ ክትጸንት ኢኻ።

11 በታ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢልካ ዝገበርካላ መዓልቲ፣ በታ ጓኖት ንገንዘቡ ዝማረኹላ፣ መጻተኛታት ድማ ብደጌታቱ ዝኣተዉላ፣ ኢየሩሳሌም ከኣ ዕጭ ዘውደቐላ መዓልቲ ንስኻውን ከም ሓደ ኻብታቶም ነበርካ።

12 እምብኣርሲ በታ መዓልቲ መከራኡ ንመዓልቲ ሓውካ ኣይትጠምት፣ በታ መዓልቲ ጥፍኣቶም ብደቂ ይሁዳ ኣይትተሐጐስ፣ በታ መዓልቲ ጸበባ ብትዕቢት ኣይትዛረብ።

13 በታ መዓልቲ መዓቱ ብደገ ህዝበይ ኣይትእቶ፣ በታ መዓልቲ መዓቱ ንስኻውን መከራኡ ኣይትርኤ፣ በታ መዓልቲ መዓቱ ድማ ኢድካ ናብ ገንዘቡ ኣይትዘርግሕ።

14 ነቶም ዘምለጡ ኸተጥፍእ ኢልካ ኣብ ቃራና መገዲ ደው ኣይትበል፣ በታ መዓልቲ ጸበባ ኸኣ ነቶም ዝተረፉ ናቱ ኣሕሊፍካ ኣይትሀቦም።

15 መዓልቲ እግዚኣብሄር ንዅላቶም ህዝብታት ቀሪባ እያ እሞ፣ ከምቲ ዝገበርካዮ ኺገብሩኻ እዮም፣ ግብርኻ ኣብ ርእስኻ ኺምለስካ እዩ።

16 ከምቲ ንስኻትኩም ኣብቲ ቅዱስ ከረነይ ዝሰቴኹምዎ፣ ከምኡ ዅሎም ህዝብታት ከየባተኹ ኺሰትዩ፣ እወ፣ ኪሰትዩ ኪጭልጡውን እዮም፣ ከም ዘይነበሩ ኸኣ ኪዀኑ እዮም።

17 ኣብ ከረን ጽዮን ዘምለጡ ኺህልዉ እዮም፣ ንሱውን ቅዱስ ኪኸውን እዩ፣ ቤት ያእቆብ ከኣ ርስቶም ኪርስተዩ እዮም።

18 ቤት ያእቆብ ሓዊ፣ ቤት ዮሴፍ ከኣ ሃልሃልታ፣ ቤት ኤሳው ድማ ከም ሓሰር ኪኹኑ እዮም። ኣብኦም ኬንድዱን ኪውሕጥዎምን እዮም። እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፣ ንቤት ኤሳው ሓደ እኳ ኣይኪተርፋን እዩ።

19 እቶም ኣብ ደቡብ ዘለዉ ንኸረን ኤሳው፣ እቶም ኣብ ጐልጐል ዘለዉ ኸኣ ንፍልስጥኤማውያን ኪርስተዩ እዮም። ንሳቶም ንምድሪ ኤፍሬምን ንምድሪ ሰማርያን ኪርስተይወን እዮም፣ ብንያም ድማ ንጊልዓድ ኪርስተያ እዩ።

20 እቶም ተማሪኾም ዝነበሩ ሰራዊት ደቂ እስራኤል ነቲ ናይ ከነኣናውያን ዝነበረ ኽሳዕ ሰራጵታ ኺርስተዩ፣ እቶም ካብ ኢየሩሳሌም ተማሪኾም ዝነበሩ ኣብ ሰፋራድ ዘለዉ ድማ ንኸተማታት ደቡብ ኪወርስወን እዮም።

21 መናገፍቲ ኸኣ፣ንኸረን ኤሳው ኪፈርዱስ፣ ናብ ከረን ጽዮን ኪድይቡ እዮም፣ መንግስቲውን ናይ እግዚኣብሄር ኪኸውን እዩ።