ዘጸአት 1

1 እቶም ናብ ግብጺ ዝመጹ ደቂ እስራኤል ስሞም እዚ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ መምስ ቤተ ሰቡ ምስ ያእቆብ መጸ፡

2 ሮቤል፡ ስምኦን፡ ሌውን ይሁዳን፡

3 ይሳኮር፡ ዛብሎን፡ ብንያም ድማ፡

4 ዳንን ንፍታሌምን ጋድን ኣሴርን።

5 ካብ ሕቘ ያእቆብ ዝወጹ ዅላቶም ሰብዓ ነፍሲ ነበሩ። ዮሴፍ ድማ ኣብ ግብጺ ነበረ።

6 ዮሴፍን ኵሎም ኣሕዋቱን፡ እቲ ወለዶ ዅሉ ከኣ ሞቱ።

7 ደቂ እስራኤል ተፋረዩ፡ ሰሰኑ፡ በዝሑ ድማ። ኣዝዮም ከኣ በርትዑ፡ እታ ሃገርውን ብእኦም መልኤት።

8 ኣብ ግብጺ ኸኣ ንዮሴፍ ዘይፈልጥ ሓድሽ ንጉስ ተንስኤ።

9 ንሱ ድማ ንህዝቡ፡ እንሆ፡ ህዝቢ ደቂ እስራኤል ካባና በዝሑን በርትዑን፡

10 እምበኣርከ ኸይበዝሑ እሞ፡ ውግእ ምስ ዚለዐለና፡ ንሳቶም ድማ ምስ ጸላእትና ሐቢሮም ከይዋግኡና ኻብዛ ሃገርውን ከይወጹ፡ ንዑ ንጣበበሎም፡ በሎም።

11 ብብርቱዕ ዕዮ ምእንቲ ኼጽብቡሎም ከኣ ኣዘዝቲ ሸመሎም። ንፈርኦን ድማ ጲቶምን ራዕምሴስን ከተማታት ሪቕ ሰርሑሉ።

12 ብመጠን እቲ ዘጽበቡሎም ግና ኽንዳኡ ሰሰኑ፡ ክንዳኡ ኸኣ ተዘርግሑ እሞ፡ ብደቂ እስራኤል ይጭነቑ ነበሩ።

13 ግብጻውያን ንደቂ እስራኤል ብጭከና ኣዕየይዎም።

14 ንህይወቶም ድማ ብብርቱዕ ዕዮ፡ ብባዕጥን ብጡብን ብዅሉ ዕዮ መሮርን በቲ ዅሉ ዜዕይይዎም ዕዮ ብምጭካን ኣመረርዎም።

15 ንጉስ ግብጺ ድማ ነተን መሕረስቲ እብራውያን፡ እታ ሓንቲ ሺፍራ ዝስማ፡ እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ጱዓ ዝስማ፡ ተዛረበን፡

16 ነተን ኣንስቲ እብራውያን ከተሕርሳኤን ከሎኽን፡ ኣብቲ ዚሐርሳሉ ርኣያ፡ ወዲ እንተ ዀነ ቅተላኦ፡ ጓል እንተ ዀነት ግና ብህይወታ ትንበር።

17 እተን መሕረስቲ ግና ንኣምላኽ ፈሪሄን፡ ነቶም እተወልዱ ብህይወት ሐደጋኦም እምበር፡ ከምቲ ንጉስ ግብጺ ዝበለን ኣይገበራን።

18 ሽዑ ንጉስ ነተን መሕረስቲ ጸዊዑ፡ ነቶም እተወልዱ ብህይወት እትሐድጋኦምሲ፡ ስለምንታይ ከምዚ ገበርክን፧ በለን።

19 እተን መሕረስቲ ኸኣ ንፈርኦን፡ እተን እብራውያን ከም ኣንስቲ ግብጻውያን ኣይኰናን። ንሳተን ሓያላት እየን እሞ፡ እታ መሕረሲት ከይመጸተን ሐሪሰን ይጸንሓ፡ በላኦ።

20 ኣምላኽ ድማ ነተን መሕረስቲ ጽቡቕ ገበረለን። እቲ ህዝቢውን በዝሔ፡ ኣዝዪ ኸኣ በርትዔ።

21 ኰነ ድማ፡ እተን መሕረስቲ ንኣምላኽ ስለ ዝፈርሃ፡ ኣባይቲ ገበረለን።

22 ሽዑ ፈርኦን ንዅሉ ህዝቢ፡ እተወልደ ወዲ ዘበለ ናብ ርባ ደርብይዎ፡ ኵለን ኣዋልድ ግና ብህይወተን ሕደግወን፡ ኢሉ ኣዘዘ።