ዘጸአት 4

1 ሙሴ ድማ፡ እንሆ፡ ንሳቶም፤ እግዚኣብሄር ኣይተራእየካን፡ ኪብሉኒ እዮም እሞ፡ ኣይኣምኑንን፡ ቃለይውን ኣይሰምዑን እዮም፡ ኢሉ መለሰ።

2 እግዚኣብሄር ድማ፤ እዛ ኣብ ኢድካ ዘላ እንታይ እያ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፤ በትሪ፡ በለ።

3 ንሱ ድማ፤ ናብ ምድሪ ደርብያ፡ በለ። ናብ ምድሪ ደርበያ፡ ተመን ከኣ ኰነት። ሙሴ ድማ ካብ ቅድሚኡ ሀደመ።

4 እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ፡ ኢድካ ዘርግሕ እሞ፡ ብዓለሊኡ ሐዞ፡ በሎ።ኢዱ ዘርጊሑውን ሐዞ፡ ኣብ ኢዱ ኸኣ በትሪ ዀነ።

5 እዚ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም፡ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ከም እተራእየካ፡ ምእንቲ ኺኣምኑ እዩ።

6 እግዚኣብሄር ድማ ወሲኹ፤ ኢድካ ናብ ትሽትሽካ ኣእቱ፡ በሎ። ናብ ትሽትሹ ኸኣ ኣእተዋ። ምስ ኣውጽኣ ድማ፡ እንሃ፡ ኢዱ ብለምጺ ኸም በረድ ጻዕድያ ነበረት።

7 ኢድካ ናብ ትሽትሽካ ኣእቱ፡ ከኣ በለ። ኢዱ ናብ ትሽትሹ ኣእተወ። ካብ ትሽትሹ ምስ ኣውጽኣ ድማ፡ እንሃ፡ መሊሳ ኸምቲ ኻልእ ስጋኡ ዀነት።

8 ኪኸውን ድማ እዩ፡ እንተ ዘይኣመኑኻ፡ ንቓል እቲ ቐዳማይ ትእምርቲ እንተ ዘይሰምዑ፡ ንቓል እቲ ዳሕራይ ትእምርቲ ኺአምኑ እዮም።

9 ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ነዚ ኽልተ ትእምርቲ እዚ እንተ ዘይኣመኑ፡ ንቓልካውን እንተ ዘይሰምዑ፡ ካብቲ ርባ ማይ ውሰድ እሞ፡ ናብቲ ንቑጽ ክዐዎ። እቲ ኻብ ርባ ዝወሰድካዮ ማይ ከኣ ኣብቲ ንቑጽ ምድሪ ደም ኪኸውን እዩ።

10 ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር፤ ኣየ ጐይታይ፡ ኣነ ኣፈይ ወታእ፡ ልሳነይ ኰርታዕ እየ እሞ፡ ትማሊ ዀነ፡ ቅድሚ ትማሊ ዀነ፡ ሕጂ ንባርያኻ ምስ ተዛረብካኒውን፡ ኣነ ተዛራቢ ሰብ ኣይኰንኩን፡ በሎ።

11 እግዚኣብሄር ድማ፡ ንሰብ ኣፍ ዝገበረሉ መን እዩ፧ ወይ ዓባስ ወይ ጸማም ወይ ዚርኢ ወይ ዕዉር ዝገበሮኸ መን እዩ፧ ኣነ እግዚኣብሄር ኣይኰንኩን፧

12 ሕጂ ኸኣ ኪድ፡ ኣነ ምስ ኣፍካ ዀይነ፡ እቲ እትዛረቦ ኸምህረካ እየ፡ በሎ።

13 ንሱ ግና፡ በጃካ ጐይታይ፡ በቲ እትልእኮ ደኣ ልኣኽ፡ በሎ።

14 ሽዑ ዅራ እግዚኣብሄር ብሙሴ ነደደ በሎ ኸኣ፡ ኣሮን ሓውካ፡ እቲ ሌዋዊዶ የሎን፧ ንሱ ጽቡቕ ተዛራቢ ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ። እንሆ ኸኣ፡ ንሱ ኪቕበለካ ይወጽእ ኣሎ፡ ምስ ረኣየካ ድማ ብልቡ ኺሕጐስ እዩ።

15 ንስኻ ንእኡ ኽትዛረቦ ኢኻ፡ እቲ ቓላት ድማ ኣብ ኣፉ ኣንብር። ኣነ ኸኣ ምስ ኣፍካን ምስ ኣፉን ኰይነ እቲ እትገብርዎ ኽምህረኩም እየ።

16 ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ንሱ ኣፍ ይዀነካ፡ ንስኻ ድማ ከም ኣምላኽ ትዀኖ፡ ንሱ ኣብ ክንዳኻ ንህዝቢ ይዛረብ።

17 ነዛ በትሪ እዚኣ ኸኣ፡ እቲ ትእምርትታት ክትገብረላ፡ ኣብ ኢድካ ዉሰዳ።

18 ሙሴ ኸደ፡ ናብ ሓሙኡ የትሮ ተመሊሱ ኸኣ፤ ናብቶም ኣብ ግብጺ ዘለዉ ኣሕዋተይ ተመሊሰ፡ ገና ብህይወት እንተ ኣልዮም ደኣ ኽርኢ ክኸይድ፡ በሎ። የትሮ ኸኣ ንሙሴ ብሰላም ኪድ፡ በሎ።

19 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኣብ ሚድያን፡ እቶም ንነፍስኻ ዚደልይዋ ዝነበሩ ሰባት ኵሎም ሞይቶም ኢዮም እሞ፡ ኪድ ናብ ግብጺ ተመለስ፡ በሎ።

20 ሙሴ ኸኣ ሰበይቱን ደቁን ወሲዱ ኣብ ኣድጊ ኣወጢሕዎም፡ ናብ ምድሪ ግብጺ ተመለሰ። ሙሴ ድማ ነታ በትሪ ኣምላኽ ኣብ ኢዱ ወሰዳ።

21 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ናብ ግብጺ ኽትምለስ ኢልካ ኽትከይድ ከሎኻ፡ ነተን ክትገብረን ኣብ ኢድካ ዝሀብኩኻ ዅለን ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ክትገበረን ተጠንቀቕ። ኣነ ግና ልቡ ኸጽንዖ እየ፡ ንሱ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ኣይሐድጎን።

22 ንፈርኦን ድማ ክትብሎ ኢኻ፤ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ እስራኤል በዅሪ ወደይ እዩ፡

23 እሞ ንወደይ ኬገልግለኒ ይኺድ ሕደጎ፡ ኢለካ ነበርኩ፡ ግናኸ ምሕዳጉ ኣቤኻ። እንሆ፡ ኣነ ንበዅሪ ወድኻ ክቐትል እየ።

24 ኰነ ድማ፡ ሙሴ ኣብ መገዲ ኣብ ሓደ መሕደሪ ኸሎ፡ እግዚኣብሄር ተራኸቦ፡ ኪቐትሎውን ደለየ።

25 ሽዑ ጺጶራ ጽልጽለ ወሲዳ፡ ዕልቦ ወዳ ገዘረት፡ ናብ ኣእጋሩ ደርብያቶ ኸኣ፡ ንስኻ ንኣይ ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ፡ በለቶ።

26 ካብኡ ኸኣ ኣልገሰ። ሽዑ ድማ፤ ብምኽንያት ግዝረት ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ፡ በለት።

27 እግዚኣብሄር ከኣ ንኣሮን፡ ኪድ ንሙሴ ኣብ በረኻ ተቐበሎ፡ በሎ። ከይዱ ድማ ኣብ ከረን ኣምላኽ ተጓነፎ፡ ሰዐሞ ኸኣ።

28 ሙሴ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ብእኡ ዝለኣኾ ዅሉ ቃልን እቲ ዝኣዘዞ ዅሉ ትእምርትታትን ንኣሮን ነገሮ።

29 ሙሴን ኣሮንን ከኣ ከይዶም ንዅሎም ዓበይቲ ደቂ እስራኤል ኣከቡ።

30 ኣሮን ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ እተዛረቦ ዅሉ ነገር ኣዛረቦም። እቲ ትእምርትታት ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ገበሮ።

31 እቲ ህዝቢ ድማ ኣመነ። እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ከም ዝበጽሖም፡ ጸበባኦምውን ከም ዝረኣየ ምስ ሰምዑ፡ ፍግም ኢሎም ሰገዱ።