ድጒዓ ኤርምያስ 1

1 እዛ ህዝቢ ጃርጃር ዚብለላ ኸተማ ኸመይ ኢላ እያ ጸምያ እትቕመጥ ዘላ፡ እዛ ኣብ ህዝብታት ዓባይ ዝነበረት ከመይ ኢላ መበለት ኰነት፡ እዛ ወይዘሮ ኣውራጃታትሲ ገባር ኰነት።

2 ለይቲ ብኽያት ትበኪ፡ ንብዓታ ኣብ ምዕጒርታ ይውሕዝ፡ ካብ ኲሎም እቶም ፈተውታ ሓደ እኳ የልቦን ዜጸናንዓ፡ ኲሎም ኣዕሩኻ ጠለምዎ እሞ ጸላእታ ዀኑ።

3 ብሰሪ ሓሳርን ብርቱዕ መግዛእትን ይሁዳ ተማሪካ ኣላ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ሰፊራ፡ ህድኣት ከኣ ስኢና ኣላ፡ ኲሎም ተሳጐጒታ ኣብ ጸበባኣ ኣርከብዋ።

4 ናብ በዓል ዚመጽእ የልቦን እሞ፡ መገድታት ጽዮን ይሐዝን፡ ኲሉ ደጌታታ ዖንዩ፡ ካህናት ይትክዙ ኣለዉ። ደናግላ ጒህየን፡ ንሳ ድማ ተመሪራ ኣላ።

5 ብሰሪ ብዝሒ ኣበሳኣ እግዚኣብሄር ሓዘን ኣውረደላ እሞ፡ ወደረኛታታ ርእሲ ዀኑ፡ ጸላእታ ይቐንዖም ኣሎ። ደቃ ተማሪኾም ቀቅድሚ ጸላኢ ኸዱ።

6 ኵሉ ግርማ ጓል ጽዮን ካብኣ ኣግለሰ። መሳፍንታ ኸም ዚብላዕ ዝሰኣና እራባት ኰኑ፡ ቀቅድሚ ሰጓጒ ንምህዳም ተሐለሉ።

7 ኢየሩሳሌም ብመዓልትታት መከራኣን ምዂብላላን ናይ ጥንቲ ኽቡር ገንዘብ ትዝክር ኣላ። ህዝባ ኣብ ኢድ ጸላኢ ወዲቑስ ረዳኢ ምስ ሰኣነ፡ ጸላእቲ እናሽካዕለሉ ጥፍኣታ ረኣዩ።

8 ኢየሩሳሌም ብርቱዕ ሓጢኣት ገበረት፡ ስለዚ ኸም ርኽስቲ ዀነት፡ እቶም ዜኽብርዋ ዝነበሩ ዂሎም ዕርቃና ርእዮም ነዐቕዋ። ንሳውን እህህ እናበለት ንድሕሪት ትምለስ ኣላ።

9 ርኽሰታ ኣብ ዘፈር ክዳና ኣሎ፡ መወዳእታኣ ኣይሐሰበቶን፡ ስለዚ ምውራዳ መስደምም እዩ፡ ዜጸናንዓውን የልቦን፡ ጻላኢ ይዕበ ኣሎ እሞ፡ ዎ ጐይታይ፡ ጸበባይ ርኤ።

10 ኣብ ማሕበርካ ኸይኣትው ዝኸልከልካዮም ኣህዛብ ኣብ መቕደሳ ኺኣትዉ ረኣየት እሞ፡ ኣብ ኲሉ ኽቡር ጥሪታ ጸላኢ ኢዱ ዘርግሔ።

11 ኲሉ ህዝባ እናተከዘ እንጌራ ይደሊ ኣሎ፡ ነፍሶም ክትቀስንሲ ኽቡር ጥሪቶም ንምግቢ ሀቡ። ዎ ጐይታ፡ ተዋሪደ እየ እሞ፡ ርኤ ጠምትውን።

12 ኣቱም ሐለፍቲ መገዲ ዂላትኩም እስከ ኣስተዋድይዎ፡ ከምቲ በታ መዓልቲ ጒሁር ቊጥዓኡ እግዚኣብሄር ዘጒሀየኒ ሓንቲ ስቓይ ከምታ እተቐጻዕኩላ ስቓየይ እንተ ኣልያስ፡ ጠምቱ እሞ ተመልከቱ።

13 ካብ ላዕሊ ናብ ኣዕጽምተይ ሓዊ ሰደደ፡ ንሱ ኸኣ ኣሕመቖ። ነእጋረይ መፈንጠራ ዘርግሔ፡ ንድሕሪት ድማ መለሰኒ፡ ኣብረስኒ ንዂሉ መዓልቲውን ኣማህመነኒ።

14 ኣርዑት ኣበሳይ ብኢዱ ተኣስረ፡ ተጠላሊፉ ኣብ ክሳደይ ተነብረ፡ ንሱ ሓይለይ ኣድከመ። ጐይታ ኣብ ኢድ እቶም ክቃወሞም ዘይከኣለኒ ኣሕሊፉ ወፈየኒ።

15 እግዚኣብሄር ንዂሎም ጀጋኖይ ኣብ ማእከለይ ራዕ ኣበሎም። ኣጒባዘይ ኪጭፍልቕ፡ ኣኼባ ኣኽተተለይ። ጐይታ ነታ ድንግል ጓል ይሁዳ ኣብ መጽመቚ ወይኒ ረገጻ።

16 ስለዚ ኣነ እበኪ፡ ኣዒንተይ፡ ኣዒንተይ ንብዓት ይዝቈቛ። ንነፍሰይ ዜቕስና መጸናንዒ ኻባይ ርሒቑ እዩ እሞ፡ ጸላኢ ስለ ዝሰዐረ፡ ደቀይ በረሱ።

17 ጽዮን ኣእዳዋ ትዝርግሕ፡ ዜጸናንዓ ኣይተረኽበን። እግዚኣብሄር ንያእቆብ ዚኸብዎ ጸላእቲ ኣዘዘሉ። ኢየሩሳሌም ኣብ ማእከሎም ከም ርኽስቲ ዀነት።

18 ንኣፉ ተጻሪረ ነይረ እየ እሞ፡ እግዚኣብሄር ጻድቕ እይ። ኣቱም ህዝብታት ኲላትኩም፡ ስምዑ ስቓየይውን ርኣዩ፡ ደናግለይን ኣጒባዘይን ተማሪኾም ከዱ።

19 ንፈተውተይ ጸዋዕክዎም፡ ግናኸ ኣስሐቱኒ። ካህናተይን ዓበይተይን ነፍሶም ኬቕስኑ፡ ምግቢ ኺልምኑ ኸለዉ ኣብ ከተማ ሐለቑ።

20 ዎ እግዚኣብሄር፡ ሐዚነ ኸም ዘሎኹ ርኤ። ኣዝየ ተጻሪረ እየ እሞ ኣምዑተይ ተዀሰ፡ ልበይ ኣብ ውሽጠት ተገልበጠ፡ ደቀይ ኣብ ግዳም ብሰይፊ ተወድኤ፡ ኣብ ከብዲ ቤት ከኣ ከም ሞት ኣሎ፡

21 ቊዝማይ ስምዑ፡ ዜጸናንዓኒ የልቦን። ኲሎም ጸላእተይ መከራይ ሰምዑ፡ ንስኻ ስለ ዝገበርካዮ ተሐጐሱ። ነታ ዝበልካያ መዓልቲ ኸተምጽኣ ኢኻ፡ ሽዑ ኸምዚ ኸማይ ኪዀኑ እዮም።

22 ኲሉ እከዮም ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፡ ብኽያተይ በዚሑ፡ ልበይ ተሐሊሉ እዩ እሞ፡ ከምቲ ብሰሪ ዂሉ ኣበሳይ ዝገበርካኒ፡ ከምኡ ድማ ንኣታቶም ግበሮም።