ድጒዓ ኤርምያስ 4

1 ከመይ ኢሉኸ እቲ ወርቂ ጸለመ፡ እቲ ኣዝዩ ጽሩይ ወርቂ ተለወጠ። ኣእማን እታ መቕደስ ኣብ መኣዝን ኲሉ ኣደባባያት ተዘርወ።

2 እቶም ጭዋታት ደቂ ጽዮን፡ ከም ጽሩይ ወርቂ ዝኸበሩ፡ ከመይ ኢሎምከ ኸም ኣቓሑ መሬት፡ ከም ስራሕ ኣእዳው ሰራሕ መሬት ተቘጽሩ።

3 ወኻሩ እኳ ኸይተረፈ፡ ኣጣባተን ሂበን፡ ንዀራኲረን የጥብዋ። እታ ጓል ህዝበይ ግና ከም ሰገን በረኻ ጨከነት።

4 ልሳን እቲ ዕሸል ብጽምኢ ኣብ ትንሓጉ ጠበቐ። ቈልዑ እንጌራ ይልምኑ፡ ዚቘርሰሎም ከኣ የልቦን።

5 እቶም ጥዑም ምግቢ ዚበልዑ ዝነበሩ ኣብ ኣደባባያት ይወድቁ። እቶም ብቐይሕ ሃሪ ዝዐበዩ ጐድፍ ይሐቚፉ።

6 ኣበሳ እታ ጓል ህዝበይ ካብታ ኣእዳው ከይተንከያ፡ ብድንገት እተገልበጠት ሶዶም፡ ካብ ሓጢኣታ ይዐቢ።

7 መሳፍንቲ ኻብ በረድ ዜንጸባርቑ፡ ካብ ጸባ ዚጽዕድዉ፡ ስጋኦም ካብ ቀይሕ ዕንቊ ዚቐይሕ፡ መልክዖም ከም ሰፊሮስ ነበረ።

8 ገጾም ካብ ጸሊም ይጽልም፡ ኣብ ኣደባባያት ኣይልለዩን፡ ቈርበቶም ኣብ ዓጽሞም ጠቢቑ፡ ነቒጹ ኸም ዕጨይቲ ዀይኑ ኣሎ።

9 ካብቶም ብጥሜት ዝሞቱ ብሰይፊ ዝሞቱ ይሔሾም፡ ፍረ ምድሪ ስለ እተሳእነ፡ ተወጊኦም ይማስኑ።

10 ርሕሩሓት ኣንስቲ እኳ በእዳወን ደቀን ኣብሰላ፡ በቲ ጥፍኣት ጓል ህዝበይ ምግቢ ዀንወን።

11 እግዚኣብሄር ነድሩ ፈጸመ፡ ርሱን ቊጥዓኡ ኸዐወ፡ መሰረታታ ሞዂ ዘበለ ሓዊ ኣብ ጽዮን ኣንደደ።

12 ነገስታት ምድርን ኣብ ዓለም ዚነብሩ ዂሎምንሲ ተጻራርን ጸላእን ብደጌታት ኢየሩሳሌም ከም ዚኣቱ፡ ከቶ ኣይኣመኑን ነይሮም።

13 ብምኽንያት ሓጢኣት ነብያታን ብሰሪ ኣበሳ ኻህናታን፡ ንሳቶም ኣብ ማእከላ ደም ጻድቃን ስለ ዘፍሰሱ እዚ ዀነ።

14 ሰብ ክዳውንቶም ንምትንካይ ክሳዕ ዚፍንፍን፡ ብደም ዝላላ ዀኑ፡ ከም ዕውራት ኰይኖም ኣብ ኣደባባያት ዕግንግን ይብሉ ኣለዉ።

15 ርሐቑ፡ ኣቱም ርኹሳት፡ ርሐቑ፡ ርሐቑ ኣይትተንክዩ፡ ኢሎም ይጭድሩሎም። ሀዲሞም ኰብለል በሉ። ኣብ ማእከል ህዝብታት፡ ድሕርዝስ ኣብዚ ኣይኪቕመጡን እዮም፡ ተባህለ።

16 ገጽ እግዚኣብሄር ፋሕ ኣበሎም፡ መሊሱ ቚሊሕ ኣይብሎምን፡ ንሳቶም ንኻህናት ኣየኽበሩን፡ ንኣረገውቲ ኸኣ ኣይደንገጹን።

17 ንኸንቱ ደገፍ እናጠመትና፡ ገና ኣዒንትና ደኺመን ኣለዋ። ብምጽባይናስ ነቲ ምድሓን ዘይከኣሎ ህዝቢ ተጸቤና።

18 በደባባይና ኸይንኸይድ፡ ስጓሞና ይስልዩ፡ መወዳእታና ቐረባ፡ መዓልትታትና ኣኸለ፡ መወዳእታና በጽሔ።

19 ሰጐጒትና ኻብ ንስሪ ሰማይ ቀልጠፉ፡ ኣብ ኣኽራን ሀደኑና፡ ኣብ ምድረ በዳ ኣድበዩልና።

20 እቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ፡ ብዛዕባኡ፡ ኣብ ማእከል ህዝብታት ኣብ ጽላሉ ኽንነብር ኢና፡ ዝበልናዮ መተንፈስ ትንፋስና ኣብ ጐደጒዶም ተታሕዘ።

21 ኣቲ ኣብ ሃገር ኡጽ እትነብሪ ጓል ኤዶም፡ ተሐጐሲ፡ ደስ ይበልኪ፡ እቲ ጽዋእሲ ናባኺውን ኪሐልፍ እዩ፡ ክትሰክርን ጥራይኪ ኽትኰንን ኢኺ።

22 ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣበሳኺ ተወድኤ፡ ደጊምሲ ኣይኬማርኽክን እዩ። ኣቲ ጓል ኤዶም፡ ኣበሳኺ ኪቘጽር እዩ፡ ሓጢኣትኪ ኺገልጽ እዩ።