ዘህልቍ 1

1 ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ኣብ ካልአይቲ ዓመት፡ ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ፡ እግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ሲና፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ፡ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡

2 በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን ተባዕታይ ዘበለ ነንርእሲ ኸም ቊጽሪ ስሞም ናይ ብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ቊጽሪ ውሰድ።

3 ንስኻን ኣሮንን፡ ኣብ እስራኤል ንዘለዉ ዅሎም ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ኪወጹ ዚኽእሉ በብሰራዊቶም ቊጸሮም።

4 ኣብ ማይ ቤት ኣቦታቱ ዋና ዚኸውን ከካብ ነገድ ሓደ ሰብ ምሳኻትኩም ይኹን።

5 እቶም ምሳኻትኩም ደው ዚብሉ ሰባት ድማ ስሞም እዚ እዩ፡ ካብ ሮቤል፡ ኤሉጹር ወዲ ሸዴውር።

6 ካብ ስምኦን፡ ሸሉሚኤል ወዲ ጹሪሻዳይ”

7 ካብ ይሁዳ፡ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ።

8 ካብ ይሳኮር፡ ናትናኤል ወዲ ጹዓር።

9 ካብ ዛብሎን፡ ኤልያብ ወዲ ሔሎን።

10 ካብ ደቂ ዮሴፍ፡ ካብ ኤፍሬም፡ ኤሊሻማዕ ወዲ ዓሚሁድ። ካብ ምናሴ፡ ገማልኤል ወዲ ጳዳህጹር።

11 ካብ ብንያም፡ ኣቢዳን ወዲ ጊድዖኒ።

12 ካብ ዳን፡ ኣሒዔዘር ወዲ ዓሚሻዳይ።

13 ካብ ኣሴር፡ ጳግዒኤል ወዲ ዖክራን።

14 ካብ ጋድ፡ ኤልያሳፍ ወዲ ድዑኤል።

15 ካብ ንፍታሌም፡ ኣሒራዕ ወዲ ዔናን።

16 እቶም ካብቲ ኣኼባ እተጸውዑ፡ ሹማምቲ ነገዳት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም። ንሳቶም ሓላቑ ኣሽሓት እስራኤል ነበሩ።

17 ሙሴን ኣሮንን ድማ ነዞም በብስሞም እተጸውዑ ሰባት ወሰዱ።

18 ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ንብዘሎ እቲ ኣኼባ ኣከቡ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘሎ በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ነንርእሲ፡ በብስሞም ተቘጺሮም ተጻሕፉ።

19 ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ በረኻ ሲና ቘጸሮም።

20 ወለዶ ደቂ ሮቤል በዅሪ እስራኤል፡ በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ነንርእሲ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፡ ናብ ውግእ ዚወጹ ዅሎም ተባዕትዮ፡

21 እቶም ካብ ነገድ ሮቤል እተቘጽሩ ኣርብዓን ሹድሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኰኑ።

22 ወለዶ ደቂ ስምኦን በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ነንርእሲ፡ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ዅሎም ተባዕትዮ፡

23 እቶም ካብ ነገድ ስምኦን እተቘጽሩ፡ ሓምሳን ትሽዓተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ኰኑ።

24 ወለዶ ደቂ ጋድ በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ዅሎም፡

25 እቶም ካብ ነገድ ጋድ እተቘጽሩ፡ ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ሓምሳን ኰኑ።

26 ወለዶ ደቂ ይሁዳ በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ዅሎም፡

27 እቶም ካብ ነገድ ይሁዳ እተቘጽሩ፡ ስብዓን ኣርባዕተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ኰኑ።

28 ወለዶ ደቂ ይሳኮር በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ኵሎም፡

29 እቶም ካብ ነገድ ይሳኮር እተቔጽሩ፡ ሓምሳን ኣርባዕተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኰኑ።

30 ወሎዶ ደቂ ዛብሎን በብዓሌቶም፡ በብ ማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞን እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ዅሎም፡

31 እቶም ካብ ነገድ ዛብሎን እተቘጽሩ፡ ሓምሳን ሾብዓተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኰኑ።

32 ደቂ ዮሴፍ፡ ወለዶ ደቂ ኤፍሬም በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ዅሎም፡

33 እቶም ካብ ነገድ ኤፍሬም እተቘጽሩ፡ ኣርብዓ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኰኑ።

34 ወለዶ ደቂ ምናሴ በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ዅሎም፡

35 እቶም ካብ ነገድ ምናሴ እተቘጽሩ፡ ሰላሳን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ኰኑ።

36 ወለዶ ደቂ ብንያም በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ዅሎም።

37 እቶም ካብ ነገድ ብንያም እተቘጽሩ፡ ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኰኑ።

38 ወለዶ ደቂ ዳን በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ዅሎም፡

39 እቶም ካብ ነገድ ዳን እተቘጽሩ፡ ስሳን ክልተን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ኰኑ።

40 ወለዶ ደቂ ኣሴር በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ዅሎም፡

41 እቶም ካብ ነገድ ኣሴር እተቘጽሩ፡ ኣርብዓን ሓደን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኰኑ።

42 ወለዶ ደቂ ንፍታሌም በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ዅሎም፡

43 እቶም ካብ ነገድ ንፍታሌም እተቘጽሩ፡ ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኰኑ።

44 እቶም እተቘጽሩ፡ ሙሴን ኣሮንን እቶም ዓሰርተው ክልተ ሰባት መሳፍንቲ እስራኤልን ዝቘጸርዎም እዚኣቶም እዮም፡ ንሳቶም ሓሓደ ነናይ ማይ ቤት ኣቦታቱ እዮም።

45 እሞ ካብ ደቂ እስራኤል በብማይ ቤት ኣቦታቶም እተቘጽሩ ዝዀኑ ዅሎም፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ኣብ እስራኤል ናብ ውግእ ዚወጹ ዅሎም፡

46 እቶም እተቘጽሩ ዅሎም ሹድሽተ ሚእትን ሰለስተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን ኰኑ።

47 ሌዋውያን ግና ብነገድ ኣቦታቶም ምሳታቶም ኣይተቘጽሩን።

48 እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛሪብዎ ነበረ እሞ፡

49 ንነገድ ሌዊ ጥራይ ኣይትቚጸሮም፡ ቊጽሮም ድማ ምስቶም ደቂ እስራኤል ኣይትጸብጽቦ።

50 ንሌዋውያን ግና ንስኻ ኣብ ልዕሊ ማሕደር ምስክርን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኣቓሑኡን ኣብ ልዕሊ ናቱ ዘበለ ዅሉን ኣመዝዞም። ንሳቶም ነቲ ማሕደርን ንዅሉ ኣቓሑኡን ይጹሩ። ንእኡ ኸኣ ንሳቶም የገልግሉ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ማሕደር ድማ ይስፈሩ።

51 እቲ ማሕደር ምስ ዚነቅል፡ ሌዋውያን የውርድዎ። እቲ ማሕደር ምስ ዚሰፍር ከኣ፡ ሌዋውያን ይትከልዎ። ጓና እንተ ቐረቦ ድማ፡ ይሙት።

52 እቶም ደቂ እስራኤል ከኣ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰሰፈሩ፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ ሰሰንደቕ ዕላማኡ መምስ ሰራዊቶም ይስፈሩ።

53 ሌዋውያን ግና ናብ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ቊጥዓ ምእንቲ ኸይከውንሲ፡ ኣብ ዙርያ ማሕደር ምስክር ይስፈሩ። ሌዋውያን ከኣ ነቲ ማሕደር ምስክር ይሐልውዎ።

54 ደቂ እስራኤልን ድማ ከምኡ ገበሩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ዅሉ ገበሩ።