ዘህልቍ 11

1 እቲ ህዝቢ ድማ ከም ኣጕረምረምቲ ዀነ፡ እዚ ኸኣ ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰይኑ ተሰምዔ። እግዚኣብሄር ምስ ሰምዖ ድማ ኲራኡ ነደደ፡ ሓዊ እግዚኣብሄርውን ኣባታቶም ሃልሃል በለ፡ ነቶም ኣብ ወሰን ሰፈር ዝነበሩ ኸኣ በልዖም።

2 እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ሙሴ ኣእወዩ፡ ሙሴ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ለመነ፡ እቲ ሓዊ ኸኣ ጠፍኤ።

3 ሓዊ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኦም ስለ ዝነደደ ድማ፡ እታ ቦታ እቲኣ ታብዔራህ ተባህለት።

4 ነቲ ኣብ ማእከሎም ዝነበረ ሕውስዋስ እኽብካብ ህዝቢ ታፍላ ሐዞ። ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም በኸዩ በሉ ኸኣ፡ እንበልዖ ስጋ መን ይህበና፡

5 እቲ ኣብ ግብጺ ብኸምኡ ዝበላዕናዮ ዓሳ፡ ዱባን ብርጭቕን ሽጕርቲ ቓንጫን ቀይሕ ሽጕርትን ጻዕዳ ሽጕርትን ዘከርና፡

6 ሕጂ ግና ገለ እኳ የልቦን፡ ብጀካ ማና እንርእዮ የብልናን እሞ፡ ነፍስና ነቐጸት።

7 እቲ ማና ኸእ ከም ፍረ ጻቕዳ ነበረ፡ ትርኢቱ ድማ ከም ትርኢት ዕንዲዳ ነበረ።

8 እቶም ህዝቢ እናዞሩ ይኣርይዎ ነበሩ፡ ብመጥሓን ድማ ይጥሕንዎ ወይ ብመጉእ ይጎድእዎ፡ እብ ቍራዕ ኣብሲሎም ከኣ ቅጫ ይገብርዎ ነበሩ ጣዕሙውን ከም ብዘይቲ እተገብረ ቅጫ ይጥዕም ነበረ።

9 ኣብ ልዕሊ እቲ ሰፈር ኣውሊ ብለይቲ ምስ ዚወድቕ፡ ማና ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ይወርድ ነበረ።

10 ሙሴ ድማ፡ እቶም ህዝቢ በብዓሌቶም ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣኣፍ ድንኳኑ ኺበኽዩ ሰምዔ። ኵራ እግዚኣብሄር ከኣ ኣዝዩ ነደደ፡ እዚ ድማ ኣብ ዓይኒ ሙሴ ኽፉእ ኰይኑ ተራእየ።

11 ሙሴ ኸኣ ንእግዚኣብሄር በሎ፡ ስለምንታይ ንባርያኻ ኽፉእ ገበርካኒ፧ ጾር ብዘሎ እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ርእሰይ ዘምበርካስ፡ ስለምንታይ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ዘይረኸብኩ፧

12 መጕዚት ንዚጠቡ ሕጻን ከም እትጸውር፡ ክሳዕ ናብታ ነቦታቶም ዝመሐልካሎም ምድሪ ኣብ ሕቚፍኻ ጹሮም፡ እትብለንስ፡ ነዚ ዅሉ ህዝቢ እዚ ኣነዶ ጠኒሰዮ፡ ኣነዶኸ ወሊደዮ እየ፧

13 እናበኸዩ፡ እንበልዕ ስጋ ሀበና፡ ይብሉኒ ኣለዉ። ነዚ ዅሉ ህዝቢ እዚ ዝህቦ ስጋኸ፡ ካበይ ክረኽቦ እየ፧

14 እምብዛ ኸቢዱኒ እዩ እሞ፡ ንብዘሎ እዚ ህዝቢ እዚ ኣነ በይነይ ክጾሮ ኣይክእልን እየ።

15 ከምዚ ትገብረኒ ኻብ ኰንካ፡ ነቲ መከራይ ከይርኢ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደአ ረኺበስ፡ ብሓደ ኣፊቱ ቕተለኒ።

16 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ካብ ዓበይቲ እስራኤል ካብቶም ኣብ ህዝቢ ዓበይትን ሓለቓታትን ከም ዝዀኑ ንስኻ እትፈልጦም፡ ሰብዓ ሰብኣይ ኣክበለይ። ናብ ድንኳን ምርኻብ ውሰዶም፡ ኣብኡ ምሳካ ደው ኣብሎም።

17 ወሪደ ኣብኡ ምሳኻ ኽዛረብ እየ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሌኻ ዘሎ መንፈስ ክወስድ እየ፡ ኣብ ልዕሊኦም ከኣ ከንብር እየ፡ ንስኻ በይንኻ ኸይትጸሮ ድማ፡ ጾር እቶም ህዝቢ ምሳኻ ኺጾሩ እዮም።

18 ነዚ ህዝቢ ድማ በሎ፡ ንጽባሕ ተቐደሱ፡ ስጋ ኽትበልዑ ኢኹም። እንበልዖ ስጋ መን ኪህበና እዩ፧ ኣብ ግብጺ ጽቡቕ ነበርና እናበልኩም፡ ምብካይኩም ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ተሰሚዑ እዩ እሞ፡ እምበኣር እግዚኣብሄር ስጋ ኺህበኩም እዩ እሞ ክትበልዑ ኢኹም።

19 ሓደ መዓልቲ ኣይኰነን ወይ ክልተ መዓልቲ ወይ ሓሙሽተ መዓልቲ ወይ ዓሰርተ መዓልቲ ወይ ዕስራ መዓልቲ ኣይኰነን እትበልዑ፡

20 ብኣፍንጫኹም ክሳዕ ዚወጽእ እሞ ክሳዕ እትመንውዎ፡ ወርሒ ምሉእ እምበር፡ እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ እግዚኣብሄር ስለ ዝነዐቕኩምዎን ስለምንታይ ካብ ግብጺ ወጻእና፧ እናበልኩም ኣብ ቅድሚኡ ስለ ዝበኼኹምን እዩ።

21 ሙሴ ኸኣ፡ እዚ ኣነ ኣብ ማእከሉ ዘሎኹ ህዝቢ ሹድሽተ ሚእቲ ሽሕ ኣጋራይ እዩ፡ ንስኻ ኸኣ፡ ወርሒ ምሉእ ዚበልዕዎ ስጋ ኽህበኩም እየ፡ ትብል ኣሎኻ።

22 ንኣታቶም ዚአክል ጤለበጊዕን ኣሓንዶ ኺሕረድ እዩ፧ ወይ ንኣታቶም ኪኣክልሲ ዅሉ ዓሳ ባሕርዶ ኺእከብ ኰይኑ፧ በለ።

23 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ኢድ እግዚኣብሄርዶ ሓጻር እያ፧ ሕጂ እቲ ቓለይ ዚዀነልካ እንተ ዀይኑ ወይ ዘይኰነልካ፡ ክትርኢ ኢኻ፡ በሎ።

24 ሙሴ ድማ ወጺኡ እቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ነቲ ህዝቢ ነገሮ። ካብቶም ዓበይቲ ህዝቢ ሰብዓ ሰብኣይ ኣኪቡ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ድንኳን ደው ኣበሎም።

25 እግዚብሄር ከኣ ብደበና ወሪዱ ንእኡ ተዛረቦ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መንፈስ ወሰደ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰብዓ ዓበይቲ ኣንበረ። ኰነ ኸኣ፡ እቲ መንፈስ ኣብ ልዕሊኦም ምስ ዐረፈ፡ ተነበዩ፡ ግናኸ ኣይደገምዎን።

26 ክልተ ሰብኣይ ድማ፡ ስም እቲ ሓደ ኤልዳድ፡ ስም እቲ ኻልኣይ ከኣ ሜዳድ ዚብሀሉ፡ ኣብ ሰፈር ተሪፎም ነበሩ፡ ንሳቶም ካብቶም ጽሑፋት ነበሩ፡ ናብ ድንኳን ግና ኣይከዱን ነበሩ፡ እቲ መንፈስ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ዐረፈ፡ ኣብ ሰፈር ከኣ ተነበዩ።

27 ሽዑ ሓደ ጐበዝ ጐይዩ፡ ኤልዳድን ሜዳድን ኣብ ሰፈር ይንበዩ ኣለዉ፡ ኢሉ ንሙሴ ነገሮ።

28 እያሱ ወዲ ነዌ፡ ካብ ንእሽቶኡ ኣገልጋሊ ሙሴ ዝነበረ፡ ጐይታይ ሙሴ፡ ከልክሎም፡ ኢሉ መለሰ።

29 ሙሴ ግና፡ ንስኻዶ ስለይ ቀኒእካ ኢኻ፧ እግዚኣብሄር መንፈሱ ኣብ ልዕሊኦም እንተ ዜንብር፡ ኲሎም ህዝቢ እግዚኣብሄር ከኣ ነብያት እንተ ዚዀኑ መን ምሀበ፡ በሎ።

30 ሙሴ ድማ፡ ንሱን እቶም ዓበይቲ እስራኤልን ናብ ሰፈር ተመልሱ።

31 ካብ እግዚኣብሄር ድማ ንፋስ ወጸ፡ ካብ ባሕሪ ኸኣ ብርኒጎታት ኣምጺኡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰፈር፡ መገዲ መዓልቲ ዚአክል በዚ፡ መገዲ መዓልቲ ድማ በቲ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ኣውረዶ፡ ምብራኹ ኸኣ ካብ ምድሪ ንላዕሊ ኣስታት ክልተ እመት ነበረ።

32 እቲ ህዝቢ ድማ ተንስኤ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ብመልኣን ለይቲ ብመልኣን ንጽብሒታውን መዓልቲ ብመልኣ ብርኒጎታት ኣከበ። እቲ ዘውሐደ ዓሰርተ ሆሜር ኣከበ፡ ኣብ ዙርያ ዅሉ ሰፈር ከኣ ሰጥሕወን።

33 እቲ ስጋ ገና ኣብ ኲርምቶም ከሎ ኸይሔኽዎ ኸኣ፡ ኲራ እግዚኣብሄር ኣብቶም ህዝቢ ነደደ፡ እግዚኣብሄር ነቶም ህዝቢ ኣዝዩ ብዝበርትዔ መቕዘፍቲ ወቕዖም።

34 ነቶም ታፍላ ዝሐዞም ህዝቢ ኣብአ ቐቢሮምዎም እዮም እሞ፡ እታ ቦታ እቲኣ ቂብሮት-ሃታኣባ ተባህለት።

35 እቶም ህዝቢ ኻብ ቂብሮት-ሃታኣባ ንሓጸሮት ተጓዕዙ፡ ኣብ ሓጸሮት ከኣ ሰፈሩ።