ዘህልቍ 4

1 እግዚብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡

2-3 ካብ ማእከል ደቂ ሌዊ ንደቂ ቃሃት በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ክሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ናብ ዕዮ ኺአትዉ ዚኽእሉ ዅሎም፡ ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ።

4 ኣገልግሎት ደቂ ቃሃት ኣብ ድንኳን ምርኻብ ብናይ ቅድስተ ቅዱሳን ነገር እዚ እዩ፡

5 እቲ ሰፈር ምስ ዚነቅል፡ ኣሮንን ደቁን ኣትዮም፡ ነቲ ዚጋርድ መጋረጃ የውርድዎ፡ ነቲ ታቦት ምስክር ብእኡ ይኽደንዎ፡

6 ኣብ ልዕሊኡ ድማ ቈርበት ታሃስ ይግበሩሉ፡ ኲለንትናኡ ሰማያዊ ዝዀነ ዓለባ ኸአ ይዘርግሑሉ፡ መሰላታቱውን የእትዉሉ።

7 ኣብ ልዕሊ ሰደቓ እንጌራ ምርኣይ ድማ ሰማያዊ ዓለባ ይዘርግሑሉ፡ ኣብኡ ኸኣ ሒላባትን ጭሔሎታትን ጽውኣትን እቲ ንመስዋእቲ መስተ ዚኸውን ኲስኲስትታትውን ይስርዑ፡ እቲ ናይ ውርትግ እንጌራ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ይኹን።

8 ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ግምጃ ይዘርግሑሉ፡ ንእኡ ኸኣ ብቘርበት ታሃስ እተገብረ መኽደኒ ገይሮም ይኽደንዎ፡ እቲ መሰላታቱውን የእትዉሉ።

9 ሰማያዊ ዓለባ ወሲዶም ከኣ፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልን ቅልዒ ቐነዲሉን መሳቐዪኡን መዋህለል ርስሓቱን እቲ ዅሉ ዜገልግሉሉ፡ ናይ ዘይቲ ኣቓሑኡ ኸኣ ይኽደኑ።

10 ምስ ኲሉ ኣቓሑኡ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓደ መኽደኒ ናይ ታሃስ ቈርበት የንብርዎ፡ ኣብ መሰላ ኸኣ ይግበርዎ።

11 ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ወርቂውን ሰማያዊ ዓለባ ይዘርግሑ፡ መኽደኒ ድማ ብቘርበት ታሃስ ይኽደንዎ፡ መሰላታቱ ኸኣ የእትዉሉ።

12 ኣብ ቤተ መቕደስ ዜገልግሉሉ ዅሉ ኣቓሑ ኣገልግሎት ወሲዶም ድማ ኣብ ሰማያዊ ዓለባ ይግበርዎ፡ መኽደኒ ኸኣ ብቘርበት ታሃስ ይኽደንዎ፡ ኣብ መሰላውን ይግበርዎ።

13 ነቲ ሓመዅስቱ ድማ ካብ መሰውኢ ይጕሐፍዎ፡ ቀይሕ ዓለባ ኸኣ ይዘርግሑሉ።

14 እቲ ዜገልግሉሉ ዅሉ ኣቓሑኡ ኸኣ፡ ጽንሃታትን ሻኳታትን መጽሓርያታትን ጭሔሎታትን፡ ኲሉ ኣቓሑ መሰውኢ ኣብ ልዕሊኡ ይግበርዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መኽደኒ ቘርበት ታሃስ ይዘርግሑሉ፡ መሰላታቱ ኸኣ የእትዉሉ።

15 ኣሮንን ደቁን ምኽዳን መቕደስን ኲሉ ኣቓሑ መቕደስን ምስ ፈጸሙ፡ እቲ ሰፈር ድማ ምስ ዚነቅል፡ ድሕርዚ ደቂ ቃሃት ኪጾሩ ይምጽኡ። ከይሞቱ ግና፡ ነቲ ቅዱስ ነገር ኣይተንክይዎ። ናይ ድንኳን ምርኻብ ጾር ደቂ ቃሃት እዚ እዩ።

16 መዚ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ኣብቲ ንቐዋሚ ቐንዴል ዚኸውን ዘይትን ኣብቲ ምኡዝ ዕጣንን ኣብቲ ናይ ወርትግ መስዋእቲ ብልዕን ዘይቲ ቕብኣትን፡ ኣብ ብዘሎ ማሕደርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን፡ ኣብ መቕደስን ኣብ ኣቓሑኡን ይኹን።

17 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡

18 ነገድ ዓሌታት ቃሃታውያን ካብ መንጎ ሌዋውያን ኣይተጥፍእዎም።

19 ናብ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ነገር ምስ ዚቐርቡ፡ ከይሞቱ፡ ብህይወት ደኣ ኺነብሩ፡ እዚ ግበረሎም፡ ኣሮንን ደቁን ኣትዮም ንነፍሲ ወከፎም ኣኣገልግሎቱን ጸጾሩን የመልክትዎም።

20 ግናኸ ከይሞቱ፡ ነቲ ቅዱስ ነገር ቅጽበት ዓይኒ እኳ እንተ ዀነ፡ ንምርኣዩ ኣይእተዉ።

21 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡

22 ደቂ ጌርሾን ከኣ በብማይ ቤት ኣቦታቶምን በብዓሌቶምን ቊጽሮም ውሰድ።

23 ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት፡ ንዕዮ ዚበቕዑ፡ ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ቊጸሮም።

24 እቲ ኣገልግሎት ዓሌታት ጌርሾናውያን ንምግልጋልን ንምጽዋርን እዚ እዩ፡

25 እቲ ዓለባታት ማሕደርን ድንኳን ምርኻብን መኽደኒኡን፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዚድረብ ቈርበት ታሃስን፡ እቲ መጋረጃ ኣፍ ድንኳን ምርኻብን፡

26 እቲ መጋረጃታት ኣጸድን መጋረጃ ኣፍ ደገ እቲ ኣብ ዙርያ ማሕደርን መሰውእን ዘሎ ኣጸድን ኣግማዱን ኲሉ ኣቓሑ ኣገልግሎቶምን ይጹሩ፡ ናይቲ ብኣታቶም ዚግበር ኲሉ ብእኡ የገልግሉ።

27 ናይ ደቂ ጌርሾናውያን ኲሉ ጾርን ኲሉ ዕዮኦምን ብዅሉ ኣገልግሎቶም ከምቲ ትእዛዝ ኣሮንን ደቁን ይኹን። ብጾሮም ዘበለ ዅሉ ኺሐልዩ ኣመዝዝዎም።

28 ኣገልግሎት ዓሌታት ደቂ ጌርሾናውያን ኣብ ድንኳን ምርኻብ እዚ እዩ፡ እቲ ሓለዋኦም ድማ ኣብ ትሕቲ ኢድ ኢታማር ወዲ ኻህን ኣሮን ይኹን።

29 ንደቂ መራሪ ኸኣ በብዓሌቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ቊጸሮም።

30 ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፡ ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ንዚአትዉ ዅሎም ቊጸሮም።

31 ሓለዋ ጾሮም ብዅሉ ኣገልግሎቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ እዚ እዩ፡ ኣልዋሕ ማሕደርን ጋድማቱን ኣዕኑዱን ኣእጋሩን፡

32 ኣዕኑድ እቲ ብዙርያ ዘሎ ኣጸድን ኣእጋሩን ሽካውልቱን ኣግማዱን ስም ኲሉ ኣቓሑኡን ምስቲ ዚዐዩሉ ዘበለ ዅሉን፡ እቲ ዚሕልውዎን ዚጾርዎን ኣቓሑ በብስሙ ቚጸርዎ።

33 እቲ ኣገልግሎት ዓሌታት ደቂ መራሪ እዚ እዩ። ኲሉ ኣገልግሎቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ትሕቲ ኢድ ኢታማር ወዲ ኻህን ኣሮን ይኹን።

34-35 ሙሴን ኣሮንን እቶም ሹማምቲ እቲ ኣኼባን ድማ ንደቂ ቃሃታውያን በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን፡ ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ንዘለዉ፡ ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ንዚአትዉ ዅሎም ቈጸርዎም።

36 እቶም ካባታቶም በብዓሌቶም እተቘጽሩ ኽልተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ሓምሳን ኰኑ።

37 እቶም ካብ ዓሌታት ቃሃታውያን እተቘጽሩ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግሉ ዅሎም፡ ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝቘጸርዎም እዚኣቶም እዮም።

38 እቶም ካብ ደቂ ጌርሾን በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን እተቘጽሩ ድማ፡

39 ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፡ ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ዚአትዉ ዅሎም፡

40 እቶም በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን ካባታቶም እተቘጽሩ፡ ክልተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ሰላሳን ኰኑ።

41 እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ጌርሾን እተቘጽሩ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግሉ ዅሎም ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝቘጸርዎም እዚኣቶም እዮም።

42 እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ መራሪ በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን እተቘጽሩ ድማ፡

43 ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፡ ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ዚአትዉ ዅሎም፡

44 እቶም በብዓሌቶም ካባታቶም እተቘጽሩ ሰለስተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ኰኑ።

45 እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ መራሪ እተቘጽሩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝአዘዞ፡ ሙሴን ኣሮንን ዝቘጸርዎም፡ እዚኣቶም እዮም።

46 እቶም እተቘጽሩ ዅሎም ሌዋውያን፡ ሙሴን ኣሮንን እቶም ሹማምቲ እስራኤልን በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን ዝቘጸርዎም፡

47 ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፡ ኣብቲ ዚዕየ ዕዮ ኼገልግሉ፡ ድማ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ብምጽዋር ኬገልግሉ ዚአትዉ ዅሎም፡

48 እቶም ካባታቶም እተቘጽሩ ሾሞንተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሰማንያን ኰኑ።

49 ከም ትእዛዝ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ነፍሲ ወከፍ ነንኣገልግሎቱን ነንጾሩን ተቘጽሩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ተቘጽሩ።