ዘህልቍ 23

1 በላዓም ድማ ንባላቅ፡ ኣብዚ ሾብዓተ መሰውኢ ንደቐለይ እሞ ሾብዓተ ዝራብዕን ሾብዓተ ድዑልን ኣዳልወለይ፡ በሎ።

2 ባላቅ ከኣ ከምቲ በላዓም ዝበሎ ገበረ፡ ባላቅን በላዓምን ኣብ መመሰውኢ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሰውኡ።

3 በላዓም ድማ ንባላቅ፡ ኣብ ጥቓ እዚ ዚሐርር መስዋእትኻ ደው በል፡ ኣነ፡ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ኪራኸበኒ እንተ ወጸ፡ ክኸይድ እየ፡ እቲ ንሱ ዜርእየኒ ነገር ከኣ ክነግረካ እየ፡ በሎ። ናብ ሓደ መላጥ በሪኽ ድማ ከደ።

4 ኣምላኽ ከኣ ንበላዓም ተጓነፎ፡ ንሱ ድማ፡ ሾብዓተ መሰውኢ ኣዳሎኹ፡ ኣብ መመሰውኢ ኸኣ ዝራብዕን ድዑልን ሰዋእኩ፡ በሎ።

5 እግዚኣብሄር ድማ ቃል ኣብ ኣፍ በላዓም ኣንበረ፡ ናብ ባላቅ ተመሊስካ ኸምዚ ኢልካ ተዛረቦ፡ ከኣ በሎ።

6 ናብኡ ድማ ተመልሰ። እንሆ ኸኣ፡ ንሱ ምስ ኲሎም ሹማምቲ ሞኣብ ኣብ ጥቓ እቲ ዚሐርር መስዋእቱ ደው ኢሉ ነበረ።

7 ምስላኡ ኣልዒሉ ድማ በለ፡ ባላቅ ካብ ኣራም፡ ንጉስ ሞኣብ ኣብ ኣኽራን ምብራቕ ኣምጽኣኒ፡ መጺእካ ንያእቆብ ርገመለይ፡ ንዓ ንእስራኤል ጸይፎ።

8 ኣምላኽ ንዘይረገሞ ኸመይ ኢለ ኽረግም፧ እግዚኣብሄር ንዘይጸየፎኸ ኸመይ ገይረ ኽጽይፍ፧

9 ካብ ርእሲ ኣኻውሕ ደኣ እርእዮ፡ ካብ ኲርባታት ከኣ እጥምቶ ኣሎኹ። እንሆ፡ ንበይኑ ዚቕመጥ ህዝቢ፡ ምስ ህዝብታትውን ኣይቊጸርን።

10 ነቲ ሓመድ ያእቆብ መን ኪቘጽሮ ይኽእል፧ ወይ ንርብዒ እስራኤል መን ይጽብጽቦ፧ ነፍሰይ ሞት ጻድቃን ትሙት፡ መወዳእታይ ከኣ ከም ናቱ ይኹን።

11 ባላቅ ድማ ንበላዓም፡ እንታይ እዩ ዝገበርካኒ፡ ንጸላእተይ ክትረግሞም ኣምጻእኩኻ፡ እንሆ ኸኣ፡ ፈጺምካ መረቕካዮም፡ በሎ።

12 ንሱ ድማ፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፈይ ዘንበሮ ተጠንቂቐ ኽዛረብዶ ኣይግኣንን እዩ፧ ኢሉ መለሰ።

13 ባላቅ ድማ፡ በጃኻ፡ ኣብኣ ዄንካ ኽትርእዮምሲ፡ ናብ ካልእ ቦታ ምሳይ ኪድ። ናይ ሓደ ወገን ወሰኖም ትርኢ ኣሎኻ እምበር፡ ንብዘለዉ ኣይትርእዮምን ኢኻ ዘሎኻ፡ ኣብኡ ዄንካ ንኣታቶም ርገመለይ፡ በሎ።

14 ናብ መሮር ጾፊም ናብ ርእሲ ጲስጋ ድማ ወሰዶ፡ ሾብዓተ መሰውኢ ኸኣ ነደቐ፡ ኣብ መመሰውኢ ድማ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሰውኤ።

15 ንባላቅ ከኣ፡ ኣብዚ ኣብ ጥቓ ዚሐርር መስዋእትኻ ደው በል ኣነ ኣብኡ ኽራኸቦ ክኸይድ እየ፡ በሎ።

16 እግዚኣብሄር ድማ ንበላዓም ተራኸቦ፡ ቃል ከኣ ኣብ ኣፉ ኣንበረ፡ ናብ ባላቅ ተመሊስካ ድማ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦ፡ በለ።

17 ናብኡ ኸኣ መጸ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዚሐርር መስዋእቱ ደው ኢሉ፡ ሹማምቲ ሞኣብውን ምስኡ ነበሩ። ባላቅ ድማ፡ እግዚኣብሄር እንታይ ተዛሪቡካ፡ በሎ።

18 ሽዑ ምስላኡ ኣልዒሉ በለ፡ ባላቅ፡ ተንስእ፡ ስማዕ ድማ፡ ኣታ ወዲ ጺጶር፡ ናባይ ጽን በል።

19 ኣምላኽ ከይሕሱ፡ ሰብ ኣይኰነን። ከይጠዐስ ከኣ፡ ወዲ ሰብ ኣይኰነን። ንሱ ዝበሎስ ኣይገብሮንዶ፧ እተዛረቦስ ኣይፍጽሞንዶ፧

20 እንሆ፡ ክምርቕ ተአዚዘ እየ። ንሱ ድማ ባሪኹ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ክመልሶ ኣይከአለንን።

21 ኣብ ያእቆብ ክፍኣት ኣይጠመተን፡ ኣብ እስራኤል ከኣ ሕሰም ኣይረአየን። እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምስኡ እዩ፡ እልልታ ንንጉስ ድማ ኣብ ማእከሉ ኣሎ።

22 ኣምላኽ ካብ ግብጺ ኣውጽኦም፡ ሓይሊ ኸም ናይ ርኤም ዝበለ ኣለዎ።

23 ኣብ ያእቆብ ኣስማት፡ ኣብ እስራኤል ከኣ ጥንቊልና የልቦን። ብዛዕባ ያእቆብን እስራኤልን ብጊዜኡ፡ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ግብሪ ገበረ፡ ኪብሀል እዩ።

24 እንሆ፡ ህዝቢ ኸም ዋዕሮ ይትንስእ፡ ከም ኣንበሳ ይልዐል። ዝዘረፎ ኽሳዕ ዚበልዕ፡ ደም እቶም ቅቱላት ከኣ ክሳዕ ዚሰቲ በጥ ኣይብልን።

25 ሽዑ ባላቅ ንበላዓም፡ ምርጋም ኣይትርገሞ፡ ምምራቕ ከኣ ኣይትምርቆ፡ በሎ።

26 በላዓም ግና ንባላቅ፡ እግዚኣብሄር ዚብለኒ ዅሉ እየ ዝገብር፡ ኢለዶ ኣይተዛረብኩኻን፧ ኢሉ መለሰሉ።

27 ባላቅ ድማ ንበላዓም፡ ናብ ካልእ ቦታ ኽወስደካ፡ ምናልባሽ ኣምላኽ እንተ ሰመሮ፡ ኣብኣ ዄንካ ኽትረግመለይ፡ በጃኻ ንዓ፡ በሎ።

28 ባላቅ ከኣ ንበላዓም፡ ንበረኻ ኣቢሉ ናብ ዜርኢ፡ ናብ ርእሲ ጴዖር ወሰዶ።

29 በላዓም ድማ ንባላቅ፡ ኣብዚ ሾብዓተ መሰውኢ ንደቐለይ፡ ሾብዓተ ዝራብዕን ሾብዓተ ድዑልን ከኣ ኣብዚ ኣዳልወለይ፡ በሎ።

30 ባላቅ ድማ ከምቲ በላዓም ዝበሎ ገበረ፡ ኣብ መመሰውኢ ኸኣ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሰውኤ።