ዘህልቍ 34

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡

2 ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም፡ በሎም ከኣ፡ ናብ ምድሪ ከነኣን ምስ ኣቶኹም፡ እታ ንርስቲ እትበጽሓኩም ምድሪ እዚኣ እያ፡ ምድሪ ከነኣን ክሳዕ ወሰናታ።

3 ሸነኽ ደቡብ ምድርኹም ካብቲ ብወገን ኤዶም ዘሎ በረኻ ጺን ይኹን እሞ፡ ናብ ደቡብ ዶብኩም ካብ ወሰን ባሕሪ ጨው ንምብራቑ ይኹን።

4 ዶብኩም ብደቡብ ዓቐበት ዓቅራቢም ዞይሩ ናብ ጺን ይሕለፍ። ብደቡብ ቃዴስ-ባርኔዓ ኣቢሉ ድማ ይውጻእ። ብሓጻር-ኣዳር ወጺኡ ኸኣ ናብ ዓጽሞን ይሕለፍ።

5 ካብ ዓጽሞን ከኣ እቲ ዶብ ናብ ርባ ግብጺ ይዙር፡ ናብ ባሕሪ ድማ ይውጻእ።

6 ዶብ ምዕራብውን እቲ ዓብዪ ባሕርን እቲ ዶብን ይኹነልኩም። ናብ ምዕራብ ዶብኩም እዚ ይኹን።

7 ናይ ሰሜን ዶብኩም ድማ እዚ ይኹን፡ ካብቲ ዓብዪ ባሕሪ ናብ ከረን ሆር ኣቢልኩም ንኣኻትኩም ምልክት ግበሩሉ።

8 ካብ ከረን ሆር ክሳዕ እታ ናብ ሃማት እተእቱ ምልክት ግበሩሉ፡ እቲ ዶብ ከኣ ናብ ጸዳድ ይውጻእ።

9 እቲ ዶብ ድማ ናብ ዚፍሮን ይሕለፍ እሞ ናብ ሓጻር-ዔናን ይውጻእ፡ ናይ ሰሜን ዶብኩም እዚ ይኹን።

10 ናይ ምብራቕ ዶብኩም ከኣ ካብ ሓጻር-ዔናን ክሳዕ ሼፋም ኣመልክቱሉ።

11 እቲ ዶብ ድማ ካብ ሼፋም ናብ ሪብላ፡ ንዓይን ብምብራቓ ይውረድ፡ እቲ ዶብ ከኣ ወሪዱ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ኽሳዕ ባሕሪ ኪኔሬት ይብጻሕ።

12 እቲ ዶብ ክሳዕ ዮርዳኖስ ይውረድ፡ ናብ ባሕሪ ጨው ከኣ ይውጻእ። እዚኣ ምስቲ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ ዶብ ሃገርኩም ትኹን።

13 ሙሴ ድማ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡ እታ ብዕጭ እትርስተይዋ ሃገር፡ እግዚኣብሄር ንትሽዓተ ነገድን ንፈረቓ ነገድን ክትወሀብ ዝአዘዘ፡ እዚኣ እያ።

14 እሞ ነገድ ደቂ ሮቤል ከከም ማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ነገድ ደቂ ጋድ ድማ ከከም ማይ ቤት ኣቦታቶም ረርስቶም ሐዙ። ፈረቓ ነገድ ምናሴ ኸኣ ርስቶም ሐዙ።

15 እዞም ክልተ ነገድን እዚ ፈረቓ ነገድን ኣብ ክንየው ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ብሸነኽ ምብራቕ ጸሓይ ረርስቶም ሐዙ።

16 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡

17 ስም እቶም ነታ ምድሪ ንርስቲ ዚመቕሉልኩም ሰባት እዚ እዩ፡ ካህን ኣልኣዛርን እያሱ ወዲ ነዌን።

18 ንምምቃል እታ ምድሪ ንርስቲ ድማ ከካብ ነገድ ሓደ ሹም ውሰዱ።

19 ስም እቶም ሰባት ድማ እዚ እዩ፡ ካብ ነገድ ይሁዳ፡ ካሌብ ወዲ የፋኔ።

20 ካብ ነገድ ደቂ ስምኦን፡ ሽሙኤል ወዲ ዓሚሁድ።

21 ካብ ነገድ ብንያም፡ ኤሊዳድ ወዲ ኪስሎን።

22 ካብ ነገድ ደቂ ዳን፡ ሹም ቡቂ ወዲ ዮግሊ።

23 ካብ ደቂ ዮሴፍ፡ ካብ ነገድ ደቂ ምናሴ፡ ሹም ሓኒኤል ወዲ ኤፎድ።

24 ካብ ነገድ ደቂ ኤፍሬም፡ ሹም ቄሙኤል ወዲ ሺፍጣን።

25 ካብ ነገድ ደቂ ዛብሎን፡ ሹም ኤሊጻፋን ወዲ ጳርናክ።

26 ካብ ነገድ ደቂ ይሳኮር፡ ሹም ጳልጢኤል ወዲ ዓዛን።

27 ካብ ነገድ ደቂ ኣሴር፡ ሹም ኣሒሁድ ወዲ ሸሎሚ።

28 ካብ ነገድ ደቂ ንፍታሌም፡ ሹም ጴዳህኤል ወዲ ዓሚሁድ።

29 እቶም ንደቂ እስራኤል ኣብ ምድሪ ከነኣን ርስቲ ኺመቕልዎም እግዚኣብሄር ዝአዘዞም እዚኣቶም እዮም።