ዘህልቍ 15

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ።

2 ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ናብታ ኽትነብርዋ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡

3 ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ፡ ዚሐርር መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ሕሩድ፡ ንምፍጻም መብጽዓ ወይ መስዋእቲ ፍቓድ ወይ ናይ በዓላትኩም ብኣሓ ወይ ብጤለበጊዕ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና ኽትገብሩ እንተ ትስውኡ፡

4 ሽዑ እቲ መስዋእቱ ንእግዚኣብሄር ዜቕርብ ንመስዋእቲ ብልዒ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ፡ ብርብዒ ሂን ዘይቲ እተቘምጥዔ፡ የቕርብ።

5 ንመስዋእቲ መስተ ኸኣ ምስቲ ዚሐርር መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ሕሩድ ነንሓደ ገንሸል ርብዒ ሂን ወይኒ ግበር።

6 ወይ ንድዑል መስዋእቲ ብልዒ ኽልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ፡ ብሲሶ ሂን ዘይቲ እተቘምጥዔ፡ ግበር።

7 ንመስዋእቲ መስተ ድማ ሳልሳይ ኣፍ ሂን ወይኒ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ኣቕርብ።

8 ንዚሐርር መስዋእቲ ወይ ንመስዋእቲ ሕሩድ ድማ ንምፍጻም መብጽዓ ወይ መስዋእቲ ምስጋና ንእግዚኣብሄር ዝራብዕ እንተ ኣቕረብካ፡

9 ሽዑ ምስቲ ዝራብዕ ንመስዋእቲ ብልዒ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ፡ ብፈረቓ ሂን ዘይቲ እተቘምጥዔ፡ ኣቕርብ።

10 ንመስዋእቲ መስተ ድማ፡ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ፈረቓ ሂን ወይኒ ኣቕርብ።

11 ከምኡ ነንብዕራይ ወይ ነንድዑል ወይ ነንገንሸል ወይ ነንወጠጦ ይገበር።

12 ከም ቊጽሪ እቶም እትስውእዎም፡ ከምኡ ነንሓዲኦም ከም ቊጽሮም ግበሩ።

13 ወዲ ዓዲ ዘበለ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ምስ ዜቕርብ፡ ነዚ ነገር እዚ ኸምዚ ይግበር።

14 ምሳኻትኩም ዚቕመጥ ጓና ወይ ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ማእከልኩም ዚነብር፡ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና መስዋእቲ ምስ ሓዊ ምስ ዜቕርብ፡ ንሱ ኸምቲ ንስኻትኩም እትገብርዎ፡ ከምኡ ይግበር።

15 ኣብታ ማሕበር ንኣኻትኩምን ነቲ ምሳኻትኩም ዚነብር ጓናን ሓደ ሕጊ ይኹን። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እቲ ጓና ኸማኻትኩም ይኹን።

16 ንኣኻትኩምን ነቲ ምሳኻትኩም ዚነብር ጓናን ሓደ ሕግን ሓደ ፍርድን ይኹን።

17 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡

18 ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ናብታ ኣነ ዘእትወኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡

19 ሽዑ ኪኸውን እዩ፡ ካብ እንጌራ እታ ምድሪ ምስ እትበልዑ፡ ንእግዚኣብሄር ዚልዐል መስዋእቲ ኣቕርቡ።

20 ካብ ቀዳማይ ብሑቚኩም ዚልዐል መስዋእቲ ሓደ ቕጫ ኣቕርቡ፡ ከምቲ ኻብ ዓውዲ ዚልዐል መስዋእቲ እትገብርዎ፡ ከምኡ ኣልዕልዎ።

21 ካብቲ ቐዳማይ ብሑቚኩም ንውሉድ ወለዶኹም ዚልዐል መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ሀቡ።

22-23 እተን ተጋጌኹም፡ እዚ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝነገሮ ዅሉ ትእዛዛት እዚ፡ እቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝአዘዘኩም ኲሉ፡ ካብታ እግዚኣብሄር ትእዛዛት ዝሀበላ መዓልቲ ንንየው ከኣ ክሳዕ ውሉድ ወለዶኹም እንተ ዘይሐሎኹምዎ፡

24 እዚ ድማ፡ እቲ ኣኼባ ኸይፈለጠ፡ ብጌጋ እንተ ተገብረ፡ ሽዑ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ንዚሐርር መስዋእቲ ኸምቲ ስርዓቱ፡ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ምስ ናይ መስተ መስዋእቱን ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ድቤላ የቕርብ።

25 ንሱ ብጌጋ እተገብረ እዩ፡ ንሳቶም ከኣ መስዋእቶም፡ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ኣምጽኡ፡ ብዛዕባ ጌጋኦም ድማ ናይ ሓጢኣት መስዋእቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕሪቦም እዮም እሞ፡ እቲ ኻህን ከኣ ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል የተዐርቕ፡ ሽዑ ይሕደገሎም እዩ።

26 ኣብ ብዘሎ ህዝቢ ብዘይ ፍልጠት እተገብረ እዩ እሞ፡ ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤልን ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓናን ይሕደገሎም እዩ።

27 ሓደ ሰብ ብጌጋ ሓጢኣት እንተ ገበረ፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ኣርሕዶ ዓመት የቕርብ።

28 ነቲ ብጌጋ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ዝገበረ ሰብ ከኣ ንምትዕራቑ እቲ ኻህን የተዐርቆ፡ ሽዑ ይሕደገሉ እዩ።

29 ብዛዕባ እቲ ብጌጋ ዚግበር ነገር ንወዲ ዓዲ ኻብ ደቂ እስራኤልን ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓናን ሓደ ሕጊ ይኹነልኩም።

30 ወዲ ዓዲ ዀነ ወይ ጓና፡ እቲ ብልዕልቲ ኢድ ሓጢኣት ዚገብር ሰብ ግና፡ ንሱ ንእግዚብሄር ኣዋሪዱ እዩ እሞ፡ እቲ ሰብ እቲ ኻብ ማእከል ህዝቡ ይመንቈስ።

31 ቃል እግዚኣብሄር ንዒቑ፡ ትእዛዙ ኸኣ ኣፍሪሱ እዩ እሞ፡ ንሱ ፈጺሙ ይመንቈስ፡ ሓጢኣቱ ኣብ ርእሱ እዩ።

32 ደቂ እስራኤል ኣብ በረኻ ኸለዉ፡ ሓደ ሰብኣይ ብመዓልቲ ሰንበት ዕጨይቲ ኺአሪ ረኸቡ።

33 እቶም ዕጨይቲ ኺአሪ ዝረኸብዎ ኸኣ ናብ ሙሴን ናብ ኣሮንን ናብ ብዘሎ ኣኼባን ኣቕረብዎ።

34 እቲ ኺገብርዎ ዚግባእ ኣይተገልጸን ነበረ እሞ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎ።

35 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እቲ ሰብአይ እቲ ሞት ይሙት፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ብዳርባ እምኒ ይቕተሎ፡ በሎ።

36 ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጽኦ፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ፡ ሞተ ኸኣ።

37 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡

38 ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ድማ፡ ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ወሰን ክዳውንቶም ኣዝፋር ኪገብሩ፡ ኣብ ዘዘፈር ወሰን ከኣ ሰማያዊ ፍሕሶ ኺገብሩ ንገሮም።

39 ነቲ ብእኡ ናብ ምንዝርና እትኸዱ ዘሎኹም፡ ደድሕሪ ድሌት ልብኹምን ዓይንኹምን ከይትስዕቡ፡ ንእኡ ርኢኹም ንዅሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትዝክርዎን ክትገብርዎን፡ ዘፈር መዘከሪ ይኹነልኩም።

40 ንዅሉ ትእዛዛተይ ምእንቲ ኽትዝክርዎን ክትገብርዎን፡ ንኣምላኽኩም ከኣ ቅዱሳን ክትዀኑ እዩ።

41 ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽኸውን፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።