ዘህልቍ 10

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡

2 ንኣኻ ክልተ መለኸት ብሩር ግበር፡ ብምቕጥቃጥ ስርሓዮ። ነቲ ኣኼባ ንምጽዋዕን ነቲ ሰፈር ከኣ ንምጕዓዝን ይኹንካ።

3 ብእኡ ምስ ዚነፍሑ፡ ብዘሎ ኣኼባ ናባኻ ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ይተኣከብ።

4 ብሓደ ጥራይ እንተ ነፍሑ ኸኣ፡ እቶም ሹማምቲ። ሓላቑ ኣሽሓት እስራኤል፡ ናባኻ ይተኣከቡ።

5 መለኸት ኣንዊሕኩም ምስ እትነፍሑ ድማ፡ ብሸነኽ ምብራቕ ሰፊሮም ዘለዉ ይንቀሉ።

6 ካልኣይ ሳዕ ኣንዊሕኩም ምስ እትነፍሑ ኸኣ፡ ብሸነኽ ደቡብ ሰፊሮም ዘለዉ ይንቀሉ። ንምንቃሎም ኣንዊሖም ይንፍሑ።

7 እቲ ኣኼባ ምስ ዚእከብ ከኣ ንፍሑ፡ ግናኸ ኣይተንውሕዎ።

8 እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ድማ መለኸት ይንፍሑ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹነልኩም።

9 ምስቲ ዚጸቕጠኩም ጸላኢ ኽትዋግኡ ናብ ምድርኹም ምስ እትወጹ፡ ኣንዊሕኩም መለኸት ንፍሑ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ትዝከሩ፡ ካብ ጸላእትኹም ከኣ ትድሕኑ።

10 ብመዓልቲ ሓጐስኩምን ብበዓላትኩምን ብመጀመርታ ኣዋርሕኩምን ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሐርር መስዋእትኹምን ኣብ ልዕሊ መስዋእቲ ምስጋናኹምን መለኸት ንፍሑ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽኩም ከኣ መዘከርታ ኪዀነልኩም እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።

11 ኰነ ድማ ኣብ ካልአይቲ ዓመት፡ ኣብ ካልኣይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ መበል ዕስራ መዓልቲ እቲ ደበና ኻብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ምስክር ተላዕለ።

12 ሽዑ ደቂ እስራኤል ድማ ከከም ጕዕዞኦም ካብ በረኻ ሲና ነቐሉ፡ እቲ ደበና ኸኣ ኣብ በረኻ ጳራን ቈመ።

13 ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝአዘዞ ድማ፡ እቶም ቀዳሞት ነቐሉ።

14 ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ደቂ ይሁዳ፡ ከከም ሰራዊቶም፡ ቅድም ተጓዕዘ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ ነበረ።

15 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ኢሳኮር ከኣ ናትናኤል ወዱ ጹዓር ነበረ።

16 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ዛብሎን ድማ ኤልያብ ወዲ ሔሎን ነበረ።

17 ነቲ ማሕደር ከኣ ኣውረድዎ፡ ደቂ ገርሾንን ደቂ መራርን ድማ ነቲ ማሕደር ጾይሮም ተጓዕዙ።

18 ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ደቂ ሮቤል ከኣ፡ ከከም ሰራዊቶም፡ ተጓዕዘ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ ኤሊጹር ወዲ ሸደውር ነበረ።

19 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ስምኦን ከኣ ሸሉሚኤል ወዲ ጹሪሻዳይ ነበረ።

20 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ጋድ ድማ ኤልያሳፍ ወዲ ድዑኤል ነበረ።

21 ቃሃታውያን ድማ ኣቓሑ መቕደስ ጾይሮም ተጓዕዙ፡ ክሳዕ ዚአትዉ ኸኣ እቲኣቶም ነቲ ማሕደር ኣቘምዎ።

22 ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ደቂ ኤፍሬም ድማ፡ ከከም ሰራዊቶም፡ ተጓዕዘ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ኸኣ ኤሊሻማዕ ወዲ ዓሚሁድ ነበረ።

23 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ምናሴ ድማ ገማልኤል ወዲ ጰዳህጹር ነበረ።

24 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ብንያም ከኣ ኣቢዳን ወዲ ጊድዖኒ ነበረ።

25 ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ደቂ ዳን ከኣ፡ ከከም ሰራዊቶም፡ ደጀን ኲሉ ሰፈር ኰይኑ ተጓዕዘ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ ኣሒዔዘር ወዲ ዓሚሻዳይ ነበረ።

26 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ኣሴር ድማ ጳግዒኤል ወዲ ዖክራን ነበረ።

27 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ንፍታሌም ከኣ ኣሒራዕ ወዲ ዔናን ነበረ።

28 ጕዕዞ ደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም እዚ ነበረ፡ ተጓዕዙ ድማ።

29 ሙሴ ኸኣ ንሖባብ ወዲ ረዑኤል ሚድያናዊ፡ ሓሙ ሙሴ፡ ንሕና ናብታ እግዚኣብሄር፡ ንኣኻትኩም ክህበኩም እየ፡ ዝበለና ቦታ ንጐዐዝ ኣሎና። እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤል ጽቡቕ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ጽቡቕ ክንገብረልካ ምሳና ኺድ፡ በሎ።

30 ንሱ ድማ፡ ኣይከይድን፡ ንሃገረይን ናብ ትውልደይን ደኣ እኸይድ፡ በሎ።

31 ንሱ ኸኣ፡ በጃኻ ኣይትሕደገና፡ ኣብ በረኻ ኣበይ ከም እንሰፍር፡ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ኣዒንቲ ኹነና።

32 ይኸውን ድማ፡ ምሳና እንተ ኸድካ፡ ካብቲ እግዚኣብሄር ጽቡቕ ዚገብረልና፡ ጽቡቕ ክንገብረልካ ኢና፡ በለ።

33 ካብ ከረን እግዚኣብሄር ከኣ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ተጓዕዙ። ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ድማ ዚዐርፉላ ቦታ ኺደልየሎም፡ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ቐደሞም።

34 ካብ ሰፈር ምስ ነቐሉ ድማ፡ ደበና እግዚኣብሄር ብመዓልቲ ኣብ ልዕሊኦም ነበረ።

35 ኰነ ኸኣ፡ ታቦት ምስ ተላዕለ፡ ሙሴ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ተንስእ፡ ጸላእትኻ ፋሕ ይበሉ፡ እቶም ዚጸልኡኻ ድማ ካብ ቅድሜኻ ይህደሙ፡ ይብል ነበረ።

36 ምስ ዚሰፍር ከኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ናብቶም እልፊ ኣእላፋት እስራኤል ተመለስ፡ ይብል ነበረ።