ዘህልቍ 20

1 ብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከኣ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ ናብ በረኻ ጺን ኣተዉ፡ ኣብ ቃዴስ ድማ ጸንሑ። ሚርያም ከኣ ኣብኡ ሞተት፡ ኣብኡውን ተቐብረት።

2 እቲ ኣኼባ ድማ ማይ ኣይነበሮን፡ ሽዑ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ተኣከቡ።

3 እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሙሴ፡ እቲ ኣሕዋትና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪሞቱ ኸለዉ እንተ ንመውት፡ መን ምሀበና፡

4 ንሕናን ከብትናን ድማ ኣብኡ ኽንመውት፡ ስለምንታይ ንማሕበር እግዚኣብሄር ናብዚ በረኻ እዚ ኣምጻእኩምዎ፧

5 ስለምንታይከ ናብዛ ኽፍእቲ ቦታ ኸተምጽኡና ኻብ ግብጺ ኣደየብኩምና፧ ናይ ዘርኢ ወይ ናይ በለስ ወይ ናይ ወይኒ ወይ ናይ ሮማን ቦታ ኣይኰነትን፡ ዚስተ ማይውን የብላን፡ ኢሎም ተቛየቚዎ።

6 ሙሴን ኣሮንን ከኣ ካብ ቅድሚ ማሕበር ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ከዱ፡ ብገጾም ድማ ተደፍኡ። ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ተራእዮም።

7 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡

8 ነታ በትሪ ውሰዳ፡ ንስኻን ሓውካ ኣሮንን ከኣ ነቲ ኣኼባ ኣክብዎ፡ ኣብ ቅድሚኦም ድማ ነቲ ኸውሒ ተዛረብዎ፡ ንሱ ኸኣ ማዩ ይህብ። ንስኻውን ካብቲ ኸውሒ ማይ ተውጽኣሎም፡ ነቲ ኣኼባን ንኸብቶምን ከኣ ተስቲ።

9 ሙሴ ድማ ኸምቲ ዝአዘዞ ነታ በትሪ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወሰዳ፡

10 ሙሴን ኣሮንን ድማ ነታ ማሕበር ኣብ ቅድሚ እቲ ኸውሒ ኣኪቦም፡ ኣቱም ዓለወኛታት፡ ሕጂ ስምዑ፡ ካብዚ ኸውሒ እዚዶ ማይ ከነውጽኣልኩም ኢና፧ በሎም።

11 ሙሴ ድማ ኢዱ ኣልዒሉ ነቲ ኸውሒ ብበትሩ ኽልተ ሳዕ ወቕዖ፡ ብዙሕ ማይ ከኣ ወጸ፡ እቲ ኣኼባን ከብቶምን ሰተዩ።

12 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ክትቅድሱኒ ብኣይ ስለ ዘይአመንኩም፡ ስለዚ ነዛ ማሕበር እዚአ ናብታ ዝሀብክዎም ምድሪ ኣይተእትውዎምን ኢኹም፡ በሎም።

13 እዚ ማይ መሪባ፡ እቲ ደቂ እስራኤል ምስ እግዚኣብሄር እተቛየቑሉ፡ ንሱ ኸኣ ኣባታቶም እተቐደሰሉ እዩ።

14 ሙሴ ድማ ካብ ቃዴስ ናብ ንጉስ ኤዶም፡ ሓውካ እስራኤል ከምዚ ይብል፡ እቲ ዝረኸበና ዅሉ መከራ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ፡

15 ኣቦታትና ናብ ግብጺ ኸመይ ከም ዝወረዱ፡ ኣብ ግብጺ ኸኣ ነዊሕ ዘበን ተቐመጥና፡ ግብጻውያን ድማ ንኣናን ነቦታትናን ሐሰሙና።

16 ናብ እግዚኣብሄር ምስ ኣእዌና፡ ንሱ ቓልና ሰምዔ፡ መልኣኽ ሰዲዱ ድማ ካብ ግብጺ ኣውጽኣና። እንሆ ኸኣ፡ ንሕና ኣብ ወሰን ዶብካ ኣብ ዘላ ኸተማ ቃዴስ ኣሎና።

17 በጃኻ፡ ብምድርካ ኣሕልፈና፡ ብግርሁን ብቦታ ወይንን ኣይንሐልፍን፡ ማይ ዔላ ኸኣ ኣይንሰትን፡ ዶብና ኽሳዕ እንሐልፍ ንየማን ወይ ንጸጋም ኣይነግልስን፡ ብጐደና ንጉስ ንኸይድ፡ ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ።

18 ኤዶም ግና፡ ወጺኤ ብሴፍ ከይቃባበለካ፡ ብኣይ ኣይትሕለፍ፡ በሎ።

19 ደቂ እስራኤል ከኣ፡ ብጐደና መገዲ ንድይብ፡ ኣነን ከብተይን ካብ ማይካ እንተ ሰቴና ድማ፡ ዋጋ እህብ። ጥራይ ንእግረይ ነገር ዜልቦ ኣሕልፈኒ፡ በልዎ።

20 ንሱ ድማ፡ ኣይትሓልፍን፡ በለ። ኤዶም ድማ ምስ ብዙሕ ህዝብን ብሓያል ኢድን ኪቃባበሎ ወጸ።

21 በዚ ኸምዚ ኤዶም ንእስራኤል ብዶቡ ምሕላፍ ምስ ከልኦ፡ እስራኤል ካብኡ ኣግለሰ።

22 ካብ ቃዴስ ድማ ተጓዕዙ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከኣ ናብ ከረን ሆር መጸ።

23 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣብ ከረን ሆር፡ ኣብ ወሰን ምድሪ ኤዶም፡ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡

24 ኣብ ማይ መሪባ ንትእዛዘይ ስለ ዝአቤኹምዎ፡ ኣሮን ናብቲ ንደቂ እስራኤል ዝሀብክዎም ምድሪ ኣይኣቱን እዩ እሞ፡ ናብ ሰቡ ይተአከብ።

25 ንኣሮንን ንኣልኣዛር ወዱን ውሰድ፡ ናብ ከረን ሆር ድማ ኣደይቦም።

26 ንኣሮን ከኣ ኣልባሱ ግፈፎ ንኣልኣዛር ወዱ ድማ ክደኖ። ኣሮን ከኣ ናብ ህዝቡ ይተኣከብ፡ ኣብኡውን ይሙት።

27 ሙሴ ኸኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ገበረ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ እናረአዮምውን ናብ ከረን ሆር ደየቡ።

28 ሙሴ ድማ ንኣሮን ኣልባሱ ገፊፉ ንኣልኣዛር ወዱ ኸደኖ። ኣሮን ከኣ ኣብኡ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ሞተ። ሙሴን ኣልኣዛርን ድማ ካብቲ ኸረን ወረዱ።

29 ኲሉ እቲ ኣኼባ፡ ኣሮን ከም ዝሞተ ምስ ረአየ፡ ብዘለዉ ቤት እስራኤል ንኣሮን ሰላሳ መዓልቲ በኸዩሉ።