ዘህልቍ 22

1 ደቂ እስራኤል ድማ ተጓዕዙ፡ ናብ ስግር ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ኣብ ጐልጐል ሞኣብ ከኣ ሰፈሩ።

2 ባላቅ ወዲ ጺጶር ድማ፡ እስራኤል ኣብ ኣሞራውያን ዝገበሮ ዅሉ ረኣየ።

3 ሞኣብ ከኣ፡ እቲ ህዝቢ ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ብእኡ ኣዝዩ ፈርሄ። ሞኣብ ብደቂ እስራኤል ተሸበረ።

4 ሞኣብ ከኣ ንዓበይቲ ሚድያን፡ ብዕራይ ሳዕሪ መሮር ከም ዚበልዕ፡ ሕጂ እዚ ኣኼባ እዚ፡ ኣብ ዙርያና ንዘሎ ንዅሉ ኸምኡ ኺበልዖ እዩ፡ በሎም። በቲ ዘበን እቲ ድማ ባላቅ ወዲ ጺጶር፡ ንጉስ ሞኣብ ነበረ።

5 ንሱ ኸኣ ናብታ ኣብ ጥቓ ርባ ዘላ ጴጦር ኣብ ሃገር ደቂ ህዝቡ ተቐሚጡ ዘሎ ናብ በላዓም ወዲ ቤዖር፡ ከምዚ ኢሎም ኪጽውዕዎ ልኡኻት ሰደደሉ፡ እንሆ፡ ካብ ግብጺ ዝወጸ ህዝቢ። እንሆ፡ ንሱ ገጽ ምድሪ ኸዲኑ ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ መንጽረይ ተቐሚጡ ኣሎ።

6 ንሱ ኻባይ ዚሕይል እዩ እሞ፡ ሕጂ ድማ መጺእካ ነዚ ህዝቢ እዚ ኽትረግመለይ እልምነካ ኣሎኹ። ንስኻ ዝመረቕካዮ ምሩቕ፡ ዝረገምካዮ ኸኣ ርጉም ከም ዝዀነ እፈልጥ እየ እሞ፡ ምናልባሽ ክወቕዖን ካብ ሃገር ከኣ ከውጽኦን እኽእል እየ።

7 ዓበይቲ ሞኣብን ዓበይቲ ሚድያንን ድማ ዓስቢ ጥንቊልና ኣብ ኢዶም ሒዞም ከዱ፡ ናብ በላዓም መጺኦም ከኣ ቃል ባላቅ ነገርዎ።

8 ንሱ ድማ፡ ሎም ለይቲ ኣብዚ ሕደሩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝነገረኒ ነገር ከኣ ክመልሰልኩም እየ፡ በሎም። ሹማምቲ ሞኣብ ድማ ምስ በላዓም ተቐመጡ።

9 ኣምላኽ ድማ ናብ በላዓም መጺኡ፡ እዞም ምሳኻ ዘለዉ ሰባት እንታዎት እዮም፧ በለ።

10-11 በላዓም ከኣ ንኣምላኽ በሎ፡ ባላቅ ወዲ ጺጶር፡ ንጉስ ሞኣብ፡ እንሆ፡ ካብ ምስሪ ዝወጸ ህዝቢ ገጽ ምድሪ ኸዲኑ ኣሎ፡ ሕጂ መጺእካ ንእኡ ርገመለይ፡ ምናልባሽ ክዋግኦን ከውጽኦን እኽእል እየ፡ ኢሉ ለኣኸለይ።

12 ኣምላኽ ድማ ንበላዓም፡ ምሳታቶም ኣይትኺድ፡ ምሩቕ እዩ እሞ፡ ነቲ ህዝቢ እቲ ኣይትርገሞ፡ በሎ።

13 በላዓም ከኣ ብጊሓት ተንሲኡ ንሹማምቲ ባላቅ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከይከይድ ከሊኡኒ እዩ እሞ፡ ንሃገርኩም ኪዱ፡ በሎም።

14 ሹማምቲ ሞኣብ ድማ ተንስኡ፡ ናብ ባላቅ መጺኦም ከኣ፡ በላዓም ምሳና ምምጻእ ኣብዩ፡ በልዎ።

15 ባላቅ ድማ መሊሱ ኻባታቶም ዚበዝሑን ዚኽብሩን ሹማምቲ ሰደደ።

16 ናብ በላዓም መጺኦም ከኣ፡ ባላቅ ወዲ ጺጶር፡ በጃኻ፡ ናባይ ካብ ምምጻእ ኣይትተዐገት፡

17 ኣዝየ ከኽብረካ እየ፡ እትብለኒ ዅሉ ኸኣ ክገብር እየ እሞ፡ በጃኻ ንዓ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ርገመለይ፡ ይብል ኣሎ፡ በልዎ።

18 በላዓም ድማ ንገላዉ ባላቅ መለሰሎም በሎም ከኣ፡ ባላቅ ብቤቱ መሊኡ እኳ ብሩርን ወርቅን እንተ ዚህበኒ፡ ብንእሽቶ ዀነ ወይ ብዓብዪ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከፍርስ ኣይክእልን እየ።

19 ሕጂ ኸኣ እግዚኣብሄር መሊሱ ዚብለኒ ኽፈልጥ ንስኻትኩም በዛ ለይቲ እዚኣ ድማ ኣብዚ ተቐመጡ።

20 ኣምላኽ ድማ ብለይቲ ናብ በላዓም መጺኡ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ኪጽውዑኻ መጺኦም እንተ ዀይኖም፡ ተንሲእካ ምሳታቶም ኪድ፡ እቲ ኣነ ዝብለካ ጥራይ ደኣ ግበር፡ በሎ።

21 በላዓም ከኣ ብጊሓት ተንስኤ፡ ኣድጉ ጽዒኑ ድማ ምስቶም ሹማምቲ ሞኣብ ከደ።

22 ንሱ ስለ ዝኸደ ድማ ኲራ ኣምላኽ ነደደ። ንሱ ኣድጉ ተወጢሑ ኽልተ ገላዉኡ ኸኣ ምስኡ ኪኸዱ ኸለዉ፡ መልኣኽ እግዚብሄር ኪኽልከሎ ኣብ መገዲ ደው በለ።

23 እታ ኣድጊ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር፡ ምሉሕ ሴፍ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ኣብ መገዲ ደዉ ኢሉ ረአየት፡ እታ ኣድጊ ኸኣ ካብ መገዲ ኣግሊሳ ናብ ግራት ኣቢላ ኸደት። በላዓም ድማ ነታ ኣድጊ ናብ መገዲ ኺመልሳ ወቕዓ።

24 መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ በዚ መንደቕ በቲ ድማ መንደቕ ኣብ ዘለዋ ዅዕትቲ መገዲ ደው በለ።

25 እታ ኣድጊ ኸኣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ርእያ፡ ናብቲ መንደቕ ተጸግዔት፡ ንእግሪ በላዓም ድማ ናብቲ መንደቕ ኣራጸመቶ። ንሱ ኸኣ መመሊሱ ወቕዓ።

26 እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ከም ብሓድሽ ንቕድሚት ሐሊፉ፡ ንየማን ወይ ንጸጋም እተግልስ ኣብ ዜብላ መገዲ፡ ኣብ ጸቢብ ቦታ ደው በለ።

27 እታ ኣድጊ ኸኣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ርእያ፡ ኣብ ትሕቲ በላዓም በጥ በለት። በላዓም ድማ ኰርዩ ተናደደ፡ ነታ ኣድግ ኸኣ ብበትሪ ወቕዓ።

28 ሽዑ እግዚኣብሄር ኣፍ እታ ኣድጊ ኸፈተ፡ ንሳ ድማ ንበላዓም፡ እዚ ሰለስተ ሳዕ ዝወቓዕካኒኸ እንታይ ገይረካ እየ በለቶ፧

29 በላዓም ከኣ ነታ ኣድጊ፡ ስለ ዘላገጽክለይ፡ ሴፍ ኣብ ኢደይ እንተ ዚህልወንስ፡ ሕጂ ሕጂ እኳ ምቐተልኩኺ፡ በላ።

30 እታ ኣድጊ ድማ ንበላዓም፡ ኣነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ነዊሕ ዘበንካ እተወጣሕካኒ ኣድግኻ ደይኰንኩን፧ ከምዚ ኽገብረካዶ ልማድ ነይሩኒ፧ በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ ኣይፋልክን፡ በለ።

31 ሽዑ እግዚኣብሄር ኣዒንቲ በላዓም ከፈተ እሞ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ መገዲ ደው ኢሉ፡ ምሉሕ ሴፉ ኸኣ ኣብ ኢዱ ረአየ። ፍግም ኢሉ ድማ ብገጹ ተደፍኤ።

32 መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ፡ ስለምንታይ ኢኻ ነዛ ኣድግኻ ሰለስተ ሳዕ ዝወቓዕካያ፧ እዛ መገዲ እዚኣ ኣብ ቅድመይ ቅንዕቲ ኣይኰነትን እሞ፡ እንሆ፡ ክኽልክለካ ወጻእኩ።

33 እታ ኣድጊ ኸኣ ርእያትኒ፡ ሰለስተ ሳዕ ካብ ቅድመይ ኣግለሰት፡ ካብ ቅድመይ እንተ ዘይተግልስ፡ ንእኣ ብህይወታ ሐዲገ ንኣኻ ምቐተልኩኻ ነይረ፡ በሎ።

34 በላዓም ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር፡ ንምኽልካለይ ኣብ መገዲ ደው ከም ዝበልካ ኣይፈለጥኩን እሞ፡ በደልኩ። ሕጂ ኸኣ ዘጕህየካ እንተ ዀይኑስ፡ እምለስ፡ በሎ።

35 መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንበላዓም፡ ምስ እዞም ሰባት እዚኦም ኪድ፡ ግናኸ እቲ ኣነ ዝብለካ ጥራይ ደኣ ተዛረብ፡ በሎ። በላዓም ከኣ ምስቶም ሹማምቲ ባላቅ ከደ።

36 ባላቅ ድማ፡ በላዓም ከም ዝመጸ ምስ ሰምዔ፡ ኪቃባበሎ ናብታ ኣብ ዶብ ኣርኖን ዘላ ኸተማ ሞኣብ፡ ኣብ ወሰን ዶብ ከደ።

37 ባላቅ ድማ ንበላዓም፡ ንምጽዋዕካ ኣጽኒዔዶ ኣይለኣኽኩልካን፧ ስለምንታይ ደኣ ናባይ ዘይመጻእካ፧ ኣጸቢቐ ከኽብረካዶ ኣይክእልን እየ፧ በሎ።

38 በላዓም ከኣ ንባልቅ፡ እንሆ፡ ናባኻ መጺኤ ኣሎኹ። ሕጂ ገለ ነገር ክዛረብዶ እኽእል እየ፧ እቲ ኣምላኽ ኣብ ኣፈይ ዜንብረለይ ቃል ንሱ እየ ዝዛረብ፡ በሎ።

39 በላዓም ድማ ምስ ባላቅ ከደ፡ ቅርያት-ሑጾት ከኣ መጹ።

40 ባላቅ ድማ ኣብዑርን ኣባጊዕን ሐሪዱ ናብ በላዓምን ናብቶም ምስኡ ዘለዉ ሹማምትን ሰደደ።

41 ኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ ባላቅ ንበላዓም ወሲዱ ናብ ባሞት-በዓል ኣደየቦ፡ ኣብኡ ዀይኑ ድማ ወሰን እቲ ህዝቢ ረአየ።