ዘህልቍ 13

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡

2 ነታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ዝህቦም ምድሪ ኸነኣን ዚስልዩ ሰባት ስደድ፡ ከካብ ነገድ ኣቦታቶም ሓደ ሰብ፡ ኲሎም ካብቶም ሹማምቶም ይስደዱ።

3 ሙሴ ድማ ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ካብ በረኻ ጳራን ሰደዶም። እዞም ሰባት እዚኦም ኲሎም ሓላቑ ደቂ እስራኤል ነበሩ።

4 ስሞም ከኣ እዚ እዩ፡ ካብ ነገድ ሮቤል ሻሙዓ ወዲ ዛኩር፡

5 ካብ ነገድ ስምኦን ሻፋት ወዲ ሖሪ፡

6 ካብ ነገድ ይሁዳ ካሌብ ወዲ የፋነ፡

7 ካብ ነገድ ይሳኮር ይግኣል ወዲ ዮሴፍ፡

8 ካብ ነገድ ኤፍሬም ሆሸዓ ወዲ ነዌ፡

9 ካብ ነገድ ብንያም ጳልጢ ወዲ ራፋ፡

10 ካብ ነገድ ዛብሎን ጋዲኤል ወዲ ሶዲ፡

11 ካብ ነገድ ዮሴፍ፡ ማለት ካብ ነገድ ምናሴ፡ ጋድ ወዲ ሱሲ፡

12 ካብ ነገድ ዳን ዓሚኤል ወዲ ግማሊ፡

13 ካብ ነገድ እሴር ስቱር ወዲ ሚካኤል፡

14 ካብ ነገድ ንፍታሌም ናሕቢ ወዲ ዎፍሲ፡

15 ካብ ነገድ ጋድ ግዉኤል ወዲ ማኪ።

16 ስም እቶም ነታ ምድሪ ኺስልይዋ ሙሴ ዝሰደዶም ሰባት እዚ እዩ። ሙሴ ንሆሼዓ ወዲ ነዌ፡ እያሱ ኣውጽኣሉ።

17 ሙሴ፡ ምድሪ ኸነኣን ኪስልዩ፡ ሰደዶም። በሎም ከኣ፡ ካብዚ ንደቡብ ኬድኩም ናብ ኣኽራን ደይቡ፡

18 እታ ሃገር ድማ ንሳ ኸመይ ከም ዝዀነት፡ እቲ ኣብኣ ዚነብር ህዝቢውን ሓያል እንተ ዀይኑ ወይ ድኹም፡ ሒደት እንተ ዀይኑ ወይ ብዙሕ፡

19 እታ ዚነብርዋ ምድሪ ድማ ኸመይ ምዃና፡ ንሳ ጽብቕቲ እንተ ዀይና ወይ ሓማቕ፡ እተን ዚነብሩለን ከተማታት ከኣ ከመይ ምዃነን፡ ሰፈር እንተ ዀይነን ወይ ዕርድታት፡

20 እታ ምድሪውን ከመይ ምዃና፡ ንሳ ረጓድ እንተ ዀይና ወይ ረቃቕ፡ ኣእዋም እንተለዋ ወይ እንተ ዜብላ፡ ርአዩ። ትብዑ ኸኣ ካብ ፍረ እታ ምድሪ ድማ ኣምጽኡ። እተን መዓልትታት እቲኤን ከኣ እቲ ቐዳማይ ፍረ ወይኒ ዚበስለለን ግዝያት ነበራ።

21 ንሳቶም ከኣ ደይቦም ነታ ምድሪ ኻብ በረኻ ጺን ክሳዕ እታ ኣብ መእተዊ ሃማት ዘላ ሬሖብ ሰለይዋ።

22 ናብ ደቡብ ከኣ ደየቡ፡ ናብ ኬብሮንውን ኣተዉ፡ ኣብአ ድማ ኣሒማን፡ ሼሻይን ታልማይን ደቂ ዓናቅ ነበሩ። ኬብሮን ከኣ ሾብዓተ ዓመት ቅድሚ እታ ኣብ ግብጺ ዘላ ጾዓን ተሰርሔት።

23 ናብ ርባ ኤሽኮል ከኣ መጹ፡ ካብኣ ድማ ሓደ ጨንፈር ምስ ሓደ ኣስካል ወይኒ ቘሪጾም፡ ክልተ ዀይኖም ብመሰላ ጾርዎ። ካብ ሮማንን ካብ በለስን ከኣ ተማልኡ።

24 እታ ቦታ እቲኣ፡ ብዛዕባ እቲ ደቂ እስራኤል ካብኣ ዝቘረጽዎ ኣስካል፡ ለሰ ኤሽኮል ተባህለት።

25 ኣብ መወዳእታ ኣርብዓ መዓልቲ ድማ ካብ ምስላይ እታ ምድሪ ተመልሱ።

26 ከይዶም ከኣ ኣብ በረኻ ጳራን ኣብ ቃዴስ ናብ ሙሴን ናብ ኣሮንን ናብ ብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤልን መጹ። ንኣታቶምን ንብዘሎ ኣኼባን እቲ ነገር ኣዛረብዎም፡ ፍረ እታ ምድሪውን ኣርኣይዎም።

27 ከምዚ ኢሎም ድማ ኣዘንተዉሉ፡ ናብታ ዝሰደድካና ሃገር በጻሕና፡ ብሓቂ ኸኣ ንሳ ጸባን መዓርን እተውሕዝ እያ፡ ፍሬኣ ኸኣ እዚ እዩ።

28 ኣብታ ሃገር ዚነብር ህዝቢ ግና ሓያል እዩ፡ እተን ከተማታት ከኣ እተዐርዳን ኣዝየን ዓበይትን እየን፡ ኣብኡ ድማ ደቂ ዓናቅ ርኤና።

29 ኣብ ሃገር ደቡብ ኣማሌቅ ይነብር ኣሎ፡ ኣብ ኣኽራን ከኣ ሔታውያንን ይቡሳውያንን ኣሞራውያንን ይነብሩ ኣለዉ፡ ኣብ ጥቓ ባሕርን ብሸነኽ ዮርዳኖስን ድማ ከነኣናውያን ይነብሩ ኣለዉ።

30 ካሌብ ከኣ ነቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ኣህድኦ፡ ኣጸቢቕና ንኽእላ ኢና እሞ፡ ንደይብ ደኣ ነታ ምድሪ ንውረሳ፡ ድማ በለ።

31 እቶም ምስኡ ደይቦም ዝነበሩ ሰባት ግና፡ ንሱ ኻባና ዚሕይል እዩ እሞ፡ ናብቲ ህዝቢ እቲ ኽንድይብ ኣይንኽእልን ኢና፡ በሉ።

32 ብዛዕባ እታ ዝሰለይዋ ምድሪ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢሎም ክፉእ ነገር ኣውረዩሎም፡ እታ ኽንስልያ ዝሐለፍናያ ምድሪ፡ ንሳ ነቶም ዚነብርዋ እትውሕጥ ምድሪ እያ፡ እቶም ኣብኣ ዝርኤናዮም ኲሎም ህዝቢ ኸኣ ነዋሕቲ ሰባት እዮም።

33 ኣብኣ ድማ ካብ ንጉዓት ዓሌት፡ ንጉዓት ደቂ ዓናቅ ርኤና። ንሕና ኣብ ዓይንና ኸም ኣምበጣ ዀንና፡ ኣብ ኣዒንቶም ከኣ ከምኡ ነበርና።