ዘህልቍ 28

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡

2 ንደቂ እስራኤል፡ መስዋእተይ፡ እቲ ብልዔይ ነቲ ጥዑም ጨና ዚዀነኒ ናይ ሓዊ መስዋእተይ፡ በቲ ምዱብ ጊዜኡ ኸተቕርቡለይ ሐልዉ፡ ኢልካ ኣዝዞም።

3 በሎም ድማ፡ እቲ ንእግዚኣብሄር እተቕርብዎ መስዋእቲ ሓዊ እዚ እዩ፡ ነቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ነንመዓልቲ ጐደሎ ዜብሎም ክልተ ገንሸል ዓመት፡

4 ነቲ ሓደ ገንሸል ብጊሓት ሰውኣዮ፡ ነቲ ኻልኣይ ገንሸልውን ምሸት ሰውኣዮ።

5 ንመስዋእቲ ብልዒ ኸኣ ብርብዒ ሂን ጕዱእ ዘይቲ እተቘምጥዔ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ።

6 እዚ እቲ ኣብ ከረን ሲና እተቐረበ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ፡ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና መስዋእቲ ሓዊ እዩ።

7 ንመስዋእቲ መስተ ኸኣ ምስቲ ሓደ ገንሸል ርብዒ ሂን ይኹን። እቲ መስዋእቲ መስተ ኻብ ብርቱዕ መስተ ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅዱስ ቦታ ይኰዖ።

8 ነቲ ኻልኣይ ገንሸል ምሸት ሰውኣዮ። ከምቲ ናይ ብጊሓት ምስ መስዋእቲ ብልዕን ምስ መስዋእቲ መስተን ጌርካ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ንመስዋእቲ ሓዊ ሰውኣዮ።

9 ብመዓልቲ ሰንበት ድማ ክልተ ገንሸል ዓመት ጐደሎ ዜብሎም፡ ንመስዋእቲ ብልዒ ኸኣ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ፡ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ምስኡ ኸኣ ናይ መስተ መስዋእቱ።

10 እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ናይ መስተ መስዋእቱን፡ ናይ ሰንበተ ሰንበት ዚሐርር መስዋእቲ እዩ።

11 ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕኩም ድማ ክልተ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሾብዓተ ገንሸል ዓመት፡ ጐደሎ ዜብሎም፡ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኸተቕርቡ ኢኹም፡

12 መስዋእቲ ብልዒ ድማ ነንሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ፡ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ነቲ ድዑል መስዋእቲ ብልዒ ኸኣ ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ።

13 ነንሓደ ገንሸል መስዋእቲ ብልዒ ድማ ሓደ ዓስራይ ኣፍ፡ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ንጥዑም ጨና ዚሐርር መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር።

14 ናይ መስተ መስዋእቶም ድማ ንዝራብዕ ፈረቓ ሂን ወይኒ፡ ንድዑል ከኣ ሳልሳይ ኣፍ ሂን፡ ንገንሸል ከኣ ርብዒ ሂን። እዚ ኣብ ናይ ዓመት ኣዋርሕ፡ በብወርሒ ዚሐርር መስዋእቲ እዩ።

15 ንመስዋኣቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ድቤላ ንእግዚኣብሄር የቕርብ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ናይ መስተ መስዋእቱን ይሰዋእ።

16 በታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ኸኣ ፋስጋ እግዚኣብሄር እዩ።

17 ኣብታ ወርሒ እቲኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ድማ በዓል እዩ። ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ይበላዕ።

18 በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም። ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ።

19 ግናኸ መስዋእቲ ሓዊ፡ ዚሐርር መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ክልተ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሾብዓተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ፡ ጐደሎ ዜብሎም ይኹኑልኩም።

20 ናይ ብልዒ መስዋእቶም ከኣ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ንዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፡ ንድዑል ክልተ ዓስራይ ኣፍ ሰውኡ።

21 ነቶም ሾብዓተ ገንሸል ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ ሰውእ።

22 ንምትዕራቕኩም ድማ ሓደ ድቤላ ንመስዋኣቲ ሓጢኣት።

23 ብጀካ እቲ ናይ ብጊሓት ዚሐርር መስዋእቲ፡ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ፡ እዚ ሰውኡ።

24 ኣብ ጸጽባሕ ሾብዓተ መዓልቲ ኸምኡ ግበሩ፡ ብልዒ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና እዩ። እዚ ምስቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ናይ መስተ መስዋእቱን ይሰዋእ።

25 በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ።

26 በታ ቐዳማይ ፍሬኹም ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መስዋእቲ ብልዒ እተቕርቡላ መዓልቲ፡ በቲ ናይ ሰሙን በዓላትኩም፡ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ።

27 ግናኸ ዚሐርር መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ኽልተ ዝራብዕ ሓደ ድዑል፡ ሾብዓተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ።

28 ናይ ብልዒ መስዋእቶም ድማ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ነንዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፡ ነቲ ድዑል ከኣ ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡

29 ነቶም ሾብዓተ ገንሸል ከኣ ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ፡

30 ንምትዕራቕኩም ድማ ሓደ ድቤላ ሰውኡ።

31 ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ምስ ናይ መስተ መስዋእቶምን እዚ ሰውኡ። ጐደሎ ዜብሎም ከኣ ይኹኑልኩም።