ዳዊት 1

1-2 ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ፣ ብሕጊ እግዝኣብሄር ደአ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን፣ ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ።

3 ንሱ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብ፣ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ።

4 እቶም ረሲኣን ከምቲ ንፋስ ዚብትኖ ብቚብቚ እዮም እምበር፣ ከምዚ ኣይኰኑን።

5-6 ንመገዲ ጻድቃንሲ እግዚኣብሄር ይፈልጣ እዩ፣ መገዲ ረሲአን ግና ኽትጠፍእ እያ እሞ፣ ስለዚ ረሲኣን ኣብ ፍርዲ፣ ሓጥኣንውን ኣብ ማሕበር ጻድቃን ኣይኪቘሙን እዮም።