ዳዊት 113

1 ሃሌሉያ። ኣቱም ባሮት እግዚኣብሄር፣ ኣመስግኑ፣ ንስም እግዚኣብሄር ኣመስግኑ።

2 ስም እግዚኣብሄር ካብ ሕጂ ንዘለአለም ይባረኽ።

3 ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ ስም እግዚኣብሄር ይመስገን።

4 እግዚኣብሄር አብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ ልዑል እዩ፣ ክብሩ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት እዩ።

5-6 ነቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጠ፣ ናብ ሰማይን ናብ ምድርን ኣንቈልቊሉ ዚጥምት፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚመስል መን እዩ፧

7-8 ምስ መሳፍንቲ፣ ምስቶም መሳፍንቲ ህዝቡ ኬቐምጦስ፣ ንመስኪን ካብ ሓመድ የተንስኦ፣ ንድኻውን ካብ ድዅዒ የልዕሎ።

9 ንመኻን፣ አደ ቘልዑ ገይሩ፣ አብ ቤት ብሓጐስ የንብራ። ሃሌሉያ።