ዳዊት 111

1 ሃሌሉያ። ንእግዚኣብሄር ብምኽሪ ቕኑዓትን ማሕበርን ብምሉእ ልበይ አመስግኖ ኣሎኹ።

2 ግብሪ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፣ እቶም ብእኡ ዚሕጐሱ ዅሎም ይምርምርዎ እዮም።

3 ግብሩ ኽብርን ግርማን እዩ፣ ጽድቁ ኸኣ ንዘለአለም ይነብር።

4 ንተኣምራቱ መዘከርታ ገበሮ፣ እግዚኣብሄር መሓርን ርሕሩሕን እዩ።

5 ንዚፈርህዎ ምግቢ ይህቦም፣ ኪዳኑ ንዘለአለም ይዝክር።

6 ርስቲ ኣህዛብ ብምሃቡ ሓይሊ ግብሩ ንህዝቡ ኣርአዮ።

7 ግብሪ ኣእዳዉ ሓቅን ፍርድን እዩ፣ ትእዛዙ ዅሉ ጽኑዕ እዩ።

8 ንዘለአለመ አለም ጽኑዕ፣ ብሓቅን ብቕንዕናን እተገብረ እዩ።

9 ንህዝቡ በጃ ሰደደሎም፣ ኪዳኑ ንዘለአለም አዘዘ፣ ስሙ ቅዱስን ዜፍርህን እዩ።

10 ፍርሃት እግዚኣብሄር መጀመርያ ጥበብ እዩ፣ ዚገብርዎ ዅሎም ሰናይ ልቦና ኣለዎም። ምስጋናኡ ንዘለአለም ይነብር።