ዳዊት 147

1 ሃሌሉያ። ንኣምላኽና ብመዝሙር ምውዳስ ሰናይ እዩ፣ ጥዑም እዩ እሞ፣ ምስጋና ይግባእ።

2 እግዚኣብሄር ንኢየሩሳሌም ይሀንጽ፣ ንስዱዳት እስራኤል ይእክብ ኣሎ።

3 ንልቦም እተሰብሩ ይፍውስ፣ ነቚሳሎም ይዘንን።

4 ቊጽሪ ኸዋኽብቲ ይቘጽር፣ ንዅላቶም በብስሞም ይሰምዮም።

5 ጐይታና ዓብዪ እዩ፣ ሓይሉ ብርቱዕ እዩ፣ ምስትውዓሉ ወሰን የብሉን።

6 እግዚኣብሄር ንትሑታት ይድግፎም፣ ንረሲኣን ግና ኣብ ምድሪ የውድቖም።

7 ንእግዚኣብሄር ብምምሳው ዘምሩሉ፣ ንኣምላኽና ውዳሴ ብመሰንቆ ዘምሩሉ።

8 ነቲ ንሰማያት ብደበና ዜጐልብብ፣ ንምድሪ ዝናም ዜዳሉ፣ ናብ ኣኽራን ሳዕሪ ዜብቊል፣

9 ነቲ ንእንስሳን ንዚምህለሉ ጨጫዊት ኳዃትን ዚምግብ ዘምሩሉ፣

10 ንሓይሊ ፈረስ ኣይብህጎን፣ በእጋር ሰብ ኣይሕጐስን፣

11 እግዚኣብሄር በቶም ዚፈርህዎ፣ ንጸጋኡውን ዚጽበዩ ይሕጐስ።

12-13 መሃርሃር መዓጹኺ ኣጽኒዑ፣ ንደቅኺ ኣብ ማእከልኪ ባሪኽዎም እዩ እሞ፣ ዎ ኢየሩሳሌም፣ ንእግዚኣብሄር አመስግኒ፣ ዎ ጽዮን፣ ንኣምላኽኪ ወድሲ።

14 ኣብ ወሰናትኪ ሰላም ይገብር። ብስብሒ ስርናይ የጽግበኪ።

15 ትእዛዙ ናብ ምድሪ ይሰድድ፣ ቃሉ ቐልጢፉ ይጐዪ።

16 ንበረድ ከም ጸምሪ ይህብ፣ ንኣስሓይታ ኸም ሓመዅስቲ ይብትኖ።

17 ንበረዱ ኸም ርፍራፍ ይድርብዮ፣ ኣብ ቅድሚ ቚሩኸ መን ይቐውም፧

18 ቃሉ ይሰድድ እሞ የምክኾ፣ ንፋሱ የንፍስ እሞ ማያት ይውሕዙ።

19 ቃሉ ንያእቆብ፣ ስርዓታቱን ፍርድታቱን ንእስራኤል ነገረ።

20 ንኻልኦት ኣህዛብ ከምዚ ከቶ ኣይገበረሎምን፣ ፍርድታቱ ኸኣ ኣይፈለጡን። ሃሌሉያ።