ዳዊት 81

1 ንኣምላኽ፣ ነቲ ሓይልና፣ እልል በሉሉ፣ ንኣምላኽ ያእቆብ እልል በሉ።

2 መዝሙር አልዕሉ፣ ከበሮን ጥዑም በገና ምስ መሰንቆን ኣቓንዩ።

3-4 እዚ ናይ እስራኤል ሕጊ፣ ናይ ኣምላኽ ያእቆብ ስርዓት እዩ እሞ፣ ብሰርቂ ወርሒ፣ ብምልኣት ወርሒ፣ ብመዓልቲ በዓልና መለኸት ንፍሑ።

5 ካብ ምድሪ ግብጺ ኺወጽእ ከሎ፣ አብ ዮሴፍ ምስክር ገይሩ አቘሞ። ዘይፈልጦ ቛንቋ እሰምዕ አሎኹ፣

6 ንመንኵቡ ኻብ ሰኽሚ ኣርሐቕክዎ፣ ኣእዳዉ ኻብ መጾሪ ኣቕሓ ተናገፋ።

7 ብጸበባ አእዌኻ፣ ኣነውን ኣናገፍኩኻ፣ አብ ነጕዲ ተሰዊረ መለስኩልካ፣ ኣብ ማይ መሪባ ተዐዘብኩኻ።

8 ዎ ህዝበይ፣ ክምስክረልካስ ስማዕ፣ ዎ እስራኤል፣ ኣየ እንተ ትሰምዓኒ።

9 ካልእ ኣምላኽ አብ ማእከል ኣይኹን፣ ንኻልእ ኣምላኽውን ኣይትስገድ።

10 ኣነ እግዚአብሄር፣ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኻ ኣምላኽ እየ፣ አፍካ ሃህ አብል፣ ኣነውን ክመልኦ እየ።

11 ህዝበይ ግና ንድምጸይ ኣይሰምዖን፣ እስራኤል ድማ እሺ ኣይበለንን።

12 ብምኽሪ ርእሶም ኪመላለሱስ፣ አብ ጽንዓት ልቦም ሐደግክዎም።

13 አየ፣ ህዝበይ እንተ ዚሰምዓኒ፣ እስራኤልሲ ብመገደይ እንተ ዚኸይድ።

14 ንጸላእቶም ቀልጢፈ መዋረድክዎም፣ ኢደይውን ናብ ተጻረርቶም ምመለስኩ።

15 ንእግዚአብሄር ጸላእቱ ምተገዝእዎ ነይሮም፣ ዘመኖም ከኣ ንዘለአለም ምዀነ።

16 ስብሒ ስርናይ መብላዕኩኻ፣ ካብ ከውሕስ መዓር መጽገብኩኻ ነይረ።