ዳዊት 132

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንዳዊት ኵሉ መከራኡ ዘክረሉ።

2-5 ንሱ ንእግዚኣብሄር ከም ዝመሐለ፣ ቦታ እግዚኣብሄር፣ መሕደሪ ነቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ክሳዕ ዚረክብሲ፣ ብሓቂ ናብ ድንኳን ቤተይ ኣይኣቱን፣ ኣብ መንጸፍ ዓራተይ ኣይድይብን፣ ነዒንተይ ድቃስ፣ ንዀበሮ ዓይነውን ሰለምታ ኣይህብን፣ ኢሉ። ነቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ከም እተመባጽዔ፣ ዘክረሉ።

6 እንሆ፣ ብዛዕባኣ ኣብ ኤፍራታ ሰማዕና፣ ኣብ መሮር ያዓር ረኸብናያ።

7 ናብ ማሕደሩ ንእቶ፣ ኣብ መርገጽ እግሩ ንስገድ።

8 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻን ታቦት ሓይልኻን ተንስእ፣ ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ።

9 ካህናትካ ጽድቂ ይልበሱ፣ ቅዱሳንካ ድማ እልል ይበሉ።

10 ምእንቲ ዳዊት ባርያኻ ኢልካ ገጽ ቅቡእካ ኣይትምለስ።

11-12 እግዚኣብሄር ንዳዊት፣ ካብ ፍረ ኸርስኻ ኣብ ዝፋንካ ከቐምጥ እየ፣ ውሉድካ ኺዳነይን ነቲ ዝምህሮም ምስክረይን እንተ ሐለዉ፣ ውሉዶም ድማ ኣብ ዝፋንካ ንሓዋሩ ኺቕመጡ እዮም፣ ኢሉ ብሓቂ መሐለሉ፣ ካብኡ ኣይኪርሕቕን እዩ።

13 እግዚኣብሄር ንጽዮን ሐርይዋ እዩ እሞ፡ መሕደሪኡ ኽትከውን በሀጋ፡

14 እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ እያ፣ ብሂገያ እየ እሞ፣ ኣብዚኣ ኽነብር እየ።

15 ንሲሳያ ኣጸቢቐ ኽባርኾ፣ ንድኻታታ እንጌራ ኸጽግቦም እየ።

16 ንኻህናታ ምድሓን ከልብሶም እየ፣ ቅዱሳና ኸኣ ብሓጐስ እልል ኪብሉ እዮም።

17 ኣብኣ ቐርኒ ዳዊት ከብቍል እየ፣ ንቕቡኤይ መብራህቲ ኣዳሎኹ።

18 ንጸላእቱ ነውሪ ኸልብሶም እየ፣ ኣብ ልዕሊኡ ግና ዘውዲ ኼንጸባርቕ እዩ።