ዳዊት 53

1 ዓሻ ብልቡ፣ ኣምላኽ የልቦን፣ ይብል። ተበላሸዉ፣ ግብሪ ርኽሰት ገበሩ፣ ሰናይ ዚገብር ሓደ እኳ የልቦን።

2 ኣምላኽሲ፣ ሓደ ለባም ንኣምላኽ ዚደልዮ እንተሎ ኺርኢ፣ ኻብ ሰማያት ናብ ደቂ ሰብ ኣንቈልቊሉ ይጥምት።

3 ኵሎም ዐልዮም፣ ብዘለዉ ተባለሽዮም፣ ሰናይ ዚገብር የልቦን፣ ሓደ እኳ የልቦን።

4 እቶም ንህዝበይ ከም እንጌራ ዚበልዕዎ፣ ናብ ኣምላኽ ድማ ዘይምህለሉ ገበርቲ እከይሲ፣ ከቶዶ ምስትውዓል የብሎምን እዮም፧

5 ኣምላኽ ነዕጽምቲ እቶም ዝኸበቡኻ ፋሕ ኣቢልዎ እዩ እሞ፣ ኣብታ መሰምበዲ ዘይነበራ ኣዝዮም ሰምበዱ፣ ኣምላኽ ደርብይዎም እዩ እሞ፣ ንስኻ ኣሕፈርካዮም።

6 ኣየ፣ ምድሓን እስራኤልሲ ኻብ ጽዮንያ እንተ ዚመጽእ። ኣምላኽ ነቶም ምሩኻት ህዝቡ ምስ ዜምልሶም፣ ያእቆብ ኪሕጐስ፣ እስራኤል ከኣ ባህ ኪብሎ እዩ።