ዳዊት 71

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣባኻ እውከል ኣሎኹ፣ ከቶ ኣይተሕፍረኒ።

2 ብጽድቅኻ ኣናግፈንን ባልሃንን፣ እዝንካ ናባይ ኣድንን እሞ ኣድሕነኒ።

3 ኵሉ ጊዜ ዝሀድመሉ ኸውሒ መሕደሪ ኹነኒ፣ ከውሔይን እምባይን ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ንምድሓነይ ኣዘዝካ።

4-5 ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ተስፋይን ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ እምንቶይን ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ዎ ኣምላኸይ፣ ካብ ኢድ ረሲእ፣ ካብ ኢድ ዓመጸኛን ገፋዕን ኣናግፈኒ።

6 ካብ ከርሲ ወላዲተይ ጀሚረ ብአኻ ተደገፍኩ፣ ካብ ማሕጸን ወላዲተይ ዝፈላሌኻኒ ንስኻ ኢኻ፣ ምስጋናይ ኵሉ ጊዜ ንአኻ እዩ።

7 ንብዙሓት መስተንከሪ ዀንክዎም፣ ንስኻ ግና ብርቱዕ መዕቈብየይ ኢኻ።

8 አፈይ ብምስጋናኻ፣ ኵሉ መዓልቲ ብኽብርኻ ምልአዮ።

9-10 ጸላእተይ ብዛዕባይ ይዛረቡ፣ ንነፍሰይ ዚጸናተውዋ ኸኣ ሐቢሮም እናተማኸሩ፣ ኣምላኽ ሐዲግዎ፣ መናገፊ የብሉን፣ ስለዚ ጐይኹም ሐዝዎ፣ ይብሉ ኣለዉ እሞ፣ ብጊዜ እርግና ኣይትደርብየኒ፣ ሓይለይ ኪውዳእ ከሎ፣ ኣይትሕደገኒ።

12 ዎ ኣምላኽ፣ ካባይ ኣይትርሐቕ፣ ዎ ኣምላኸይ፣ ንምርዳኤይ ፍጠን።

13 እቶም ንነፍሰይ ዚጻረርዋ ይሕፈሩን ይጥፍኡን፣ እቶም ጕድአተይ ዚደልዩውን ነውርን ሓሳርን ይከደኑ።

14 ኣነ ግና ኵሉ ጊዜ ተስፋ ኽገብር፣ ንዅሉ ምስጋናኻውን ክውስኸሉ እየ።

15 ቊጽሩ ኣይፈልጦን እየ እሞ፣ ኣፈይ ጸድቅኻን ምድሓንካን ኵሉ መዓልቲ ኼዘንቱ እዩ።

16 ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስልጡን ግብርታት ክነግር፣ ጸድቅኻ፣ ናትካ ጥራይ ክዝክር እየ።

17 ዎ ኣምላኽ፣ ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ መሀርካኒ፣ ክሳዕ ሕጂውን ተአምራትካ ኣወጅኩ።

18 ነዚ ወለዶዚ ቕልጽምካ፣ ነቲ ዚመጽእውን ስልጣንካ ኽሳዕ ዘበስሮምሲ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ብእርግናይ ምስ ሸየብኩ እኳ ኣይትሕደገኒ።

19 ዎ ኣምላኽ፣ ጽድቅኻ ኽሳዕ ላዕሊ ይበጽሕ፣ ኣታ፣ ዓበይቲ ግብርታት ዝገበርካ ኣምላኽ፣ መን ይመዓራረየካ፧

20 ኣታ፣ ብዙሕ ጭንቀትን መከራን ዘርኤኻና፣ መሊስካ ህይወት ክትህበኒ፣ ከም ብሓድሽ ድማ ካብ መዓሙቚ ምድሪ ኸተውጽአኒ ኢኻ።

21 ንዕቤተይ ክትውስኸሉ፣ ብምጽንናዕ ከኣ ኽትከበኒ ኢኻ።

22 ኣምላኸየ፣ ኣነውን ንኣኻ፣ ንሓቅኻ ብበገና ኸመስግን፣ ኣታ ናይ እስራኤል ቅዱስ፣ ብመሰንቆ ኽዝምረልካ እየ።

23 ከመስግነካ ኸሎኹ፣ ከናፍረይን እታ ዘድሐንካያ ነፍሰይን እልል ኪብላ እየን።

24 እቶም ጕድአተይ ዚደልዩ ሐፊሮምን ነዊሮምን እዮም እሞ፣ መልሓሰይ ምሉእ መዓልቲ ብዛዕባ ጽድቅኻ ኽትዛረብ እያ።