ዳዊት 101

1 ብዛዕባ ጸጋን ፍርድን ክዝምር፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ምስጋና ኽዝምረልካ እየ።

2 ብፍጽምቲ መገዲ እጣበብ ኣሎኹ፣ መአዝ ክትመጸኒ ኢኻ፣- አብ ውሽጢ ቤተይ ብፍጹም ልበይ እመላለስ ኣሎኹ።

3 አብ ቅድሚ ዓይነይ ገለ ነውሪ ኣየንብርን፣ ንግብሪ ብልያል እጸልኦ ኣሎኹ፣ ኣይኪጠብቀንን እዩ።

4 ቄናን ልቢ ኻባይ ይርሓቕ፣ ንኽፉእ ክፈልጦ ኣይደልን።

5 ነቲ ንብጻዩ ብሕቡእ ዚሐሚ ኤጥፍኦ፣ ነቲ ዕቡይ ዓይንን ኵሩዕ ልብን ዘለዎ ኣይዕገሶን እየ።

6 ምሳይ ኪነብሩስ፣ ኣዒንተይ ኣብቶም ናይ ሃገር እሙናት እየን፣ እቲ ብፍጽምቲ መገዲ ዚመላለስ ኬገልግለኒ እዩ።

7 ተንኰል ዚገብር አብ ውሽጢ ቤተይ ኣይነብርን፣ ሓሶት ዚዛረብ አብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣይጸንዕን እዩ።

8 ንዓመጸኛታት ካብ ከተማ እግዚኣብሄር ከጽንትሲ፣ ንዅሎም ረሲኣን ምድሪ ንግሆ ንግሆ ኸጥፍኦም እየ።