ዳዊት 28

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ ናባኻ ኤእዊ ኣሎኹ፣ ከይመለስካለይ ስቕ እንተ በልካ፣ ኣነ ነቶም ናብ ጕድጓድ ዚወርዱ ኸይመስልሲ፣ ዎ ኸውሔይ፣ ኣይትጽመመኒ።

2 ነእዳወይ ናብ ቅድስተ ቕዱሳን ኣልዒለ፣ ናባኻ ኽምህለል ከሎኹ፣ ንድምጺ ጸሎተይ ስምዓዮ።

3 ምስ ረሲኣንን ምስቶም ኣብ ልቦም ክፍኣት ከለዎምሲ፣ ምስ ብጾቶም ሰላም ዚዛረቡ ገበርቲ እከይን ኣይትጕተተኒ።

4 ከም ግብሮምን ከም ክፍኣት ስራሖምን ሀቦም፣ ከም ተግባር ኣእዳዎም ምለሰሎም፣ እቲ ዝገበርዎ ፍደዮም።

5 ንግብርታት እግዚኣብሄርን ንተግባር ኣእዳዉን ኣየስተንትንዎን እዮም እሞ፣ ኬፍርሶም ኣይኪሀንጾምን ድማ እዩ።

6 እግዚኣብሄር ንድምጺ ጸሎተይ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፣ ስብሓት ይዅኖ።

7 እግዚኣብሄርሲ ሓይለይን ዋልታይን እዩ፣ ልበይ ብእኡ ተወኪሉ፣ ኣነውን ተረዲኤ፣ ስለዚ ልበይ ይፍሳህ ኣሎ፣ ብመዝሙረይ ድማ ክውድሶ እየ።

8 እግዚኣብሄርሲ ሓይሎም እዩ፣ ንቕቡኡውን ዕርዲ ምድሓን እዩ።

9 ንህዝብኻ ኣድሕኖ፣ ንርስትኻ ድማ ባርኮ፣ ጓስዮም፣ ንሓዋሩ ኸኣ ጹሮም።