ዳዊት 92

1-3 ኣታ ልዑል፣ ንግሆ ሳህልኻ፣ ለይቲውን እምነትካ ምውራይ፣ ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገናን ብጭራን ብምውቃዕ መሰንቆን ንእግዚኣብሄር ምምስጋን፣ ንስምካ ምዝማር ሰናይ እዩ።

4 ዎ እግዚኣብሄር፣ ብግብርታትካ ኣሐጒስካኒ ኢኻ እሞ፣ ብዛዕባ ተግባር ኣእዳውካ እልል ክብል እየ።

5 ዎ ጐይታይ፣ ግብርኻ ኸመይ ዓብዪ እዩ፣ ሓሳብካ ኣዝዩ ዓሚቚ እዩ።

6 ዳንደ ኣይፈልጦን፣ ዓሻውን ኣየስተውዕሎን እዩ።

7 ረሲኣን ከም ሳዕሪ እንተ ለምለሙ፣ ኵሎም ገበርቲ እከይውን እንተ ዐምበቡ፣ ንሓዋሩ ምእንቲ ኺጠፍኡ እዩ።

8 ጐይታየ፣ ንስኻ ግና ንዘለአለም ልዑል ኢኻ።

9 ጐይታየ፣ እንሆ ጸላእትኻ፣ እነዉ ጸላእትኻ ይጠፍኡ ኣለዉ እሞ፣ ኵሎም ገበርቲ እከይ ኪብተኑ እዮም።

10 ግናኸ ንቐርነይ ከም ናይ ጎባይ ኣልዐልካዮ፣ ብሓድሽ ዘይቲ ተቐባእኩ።

11 ዓይነይ ድማ ነቶም ተጻረርተይ ባህ ኢልዋ ትምልከቶም፣ ኣእዛነይውን ብናይቶም ዚትንስኡኒ ኽፉኣት ተሐጒሰን ይሰምዓ።

12 ጻድቕ ከም ስየ ይልምልም፣ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዓቢ።

13 እቶም አብ ቤት እግዚኣብሄር እተተኽሉ አብ ኣጸድ ኣምላኽና ይልምዑ።

14-15 እግዚኣብሄር ጻድቕ ምዃኑ ምእንቲ ኼውርዩስ፣ ብእርግናኦም ድማ ይፈርዩ፣ ይውረዩን ይልምዑን። እግዚኣብሄር ከውሔይ እዩ፣ አብኡውን ዓመጻ የልቦን።