ዳዊት 140

1-2 ዎ እግዚኣብሄር፣ ካብቲ እኩይ ሰብ፣ ካብቲ ዓመጸኛ ሰብ ኣናግፈኒ፣ ካብቶም ብልቦም እከይ ዚህቅኑ፣ ኵሉ መዓልቲውን ውግእ ዜልዕሉ ሐልወኒ።

3 መልሓሶም ከም ኣትማን የብልሑ፣ አብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ ኣፍዑት ኣሎ።

4 ዎ እግዚኣብሄር፣ ካብ ኣእዳው ረሲእ ባልሃኒ፣ ካብ ዓመጸኛ ሰብ፣ ካብቶም ንስጒምተይ ኪሕንኵሉ ዚህቅኑ ሐልወኒ።

5 ዕቡያት መፈንጠራን ገመድን ሐብኡለይ፣ ኣብ ጥቓ መገዲ መርበብ ዘርግሑ፣ መድፈና ኣጻወዱለይ።

6 ንእግዚኣብሄር፣ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፣ በልክዎ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ንድምጺ ምህለላይ ጽን በሎ።

7 ዎ እግዚኣብሄር፣ ጐይታይ፣ ሓይሊ ምድሓነይ፣ ብመዓልቲ ውግእ ንርእሰይ ትጋርዳ።

8 ዎ እግዚኣብሄር፣ ከይዕበዩስ፣ ንረሲእ ትምኒቱ ኣይትፈጽመሉ፣ ሃቐናኡ ኣይተስልጠሉ።

9 እቶም ዚኸቡንስ እከይ ከናፍሮም ኣብ ርእሶም ይምጻእ።

10 ጒሁር ፈሓም ይውደቆም፣ ናብ ሓዊ፣ ናብቲ ዘይወጹሉ ዓሚቚ ጒድጓድ ይደርበዮ።

11 ወስላታ መልሓስ ዘለዎ ኣብ ሃገር ኣይኪቐውምን፣ ንገፋዒ፣ ክሳዕ ዚወድቕ፣ እከይ ኪሀድኖ እዩ።

12 እግዚኣብሄርሲ ፍትሒ ንጭኑቓት፣ ቅንዕና ኸኣ ንድኻታት ከም ዚገብረሎም፣ እፈልጥ እየ።

13 ብርግጽ፣ ጻድቃን ንስምካ ኼማስዉ፣ ቅኑዓት ኣብ ቅድሜኻ ኺነብሩ እዮም።