ዳዊት 25

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ ነፍሰይ ናባኻ አልዕል ኣሎኹ።

2 ዎ ኣምላኸይ፣ ኣባኻ ተወኪለ እኔኹ። ኣይተሕፍረኒ፣ ጸላእተይ ብኣይ ደስ ኣይበሎም።

3 ንኣኻ ዚጽበዩ ከቶ ኣይኪሐፍሩን፣ እቶም ብዘይ ምኽንያት ዚጠልሙ ግና ኪሐፍሩ እዮም።

4 ዎ እግዚኣብሄር፣ ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ፣ መገድታትካ ምሀረኒ።

5 ንስኻ ኣምላኽ ምድሓነይ ኢኻ እሞ፣ ብሓቅኻ ምርሓንን ኣስተምህረንን። ኵሉ መዓልቲ እጽበየካ ኣሎኹ።

6 ዎ እግዚኣብሄር፣ ምሕረትካን ሳህልኻን ካብ ዘለአለም እየን እሞ፣ ዘክረን።

7 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንሓጢኣት ንእስነተይን ኣበሳይን ኣይትዘክሮ፣ ከም ለውሃትካ፣ ስለ ሳህልኻ ኢልካ ዘክረኒ።

8 እግዚኣብሄር ሰናይን ቅኑዕን እዩ፣ ስለዚ ንሓጥኣን መገዱ ኺምህሮም እዩ።

9 ንትሑታት ብፍርዲ ኺመርሖም፣ ንትሑታትውን መገዱ ኼስተምህሮም እዩ።

10 ነቶም ኪዳኑን ምስክራቱን ዚሕልውስ፣ መገድታት እግዚኣብሄር ኵላተን ሳህልን ሓቅን እየን።

11 ዎ እግዚኣብሄር፣ በደለይ ዓብዪ እዩ እሞ፣ ስለ ስምካ ኢልካ ይቕረ በለለይ።

12 ንእግዚኣብሄር ዚፈርሆ ሰብ መን እዩ፧ ንእኡ እታ ዚሐርያ መገዲ ኺምህሮ እዩ።

13 ነፍሱ ብደሓን ክትነብር፣ ዘርኡውን ንምድሪ ኺወርሳ እዩ።

14 ምስጢር እግዚኣብሄርሲ ነቶም ዚፈርህዎ እዩ፣ ንሱውን ኪዳኑ ኼፍልጦም እዩ።

15 ነእጋረይ ካብ መርበብ ኬውጽኤን እዩ እሞ፣ ኣዒንተይ ኵሉ ጊዜ ናብ እግዚኣብሄር እየን።

16 ኣነ በይነይን ሽጉርን እየ እሞ፣ ናባይ ቊሊሕ በል፣ ደንግጸለይውን።

17 ጭንቀት ልበይ ዐዚዙ፣ ካብ ጸበባይ ኣውጽኣኒ።

18 ንመከራይን ጭንቀይን ርአዮ እሞ፣ ንዅሉ ሓጢኣተይ ሕደገለይ።

19 ጸላእተይ በዚሖም እዮም እሞ፣ ርአዮም፣ ግፍዔኛ ጽልኢ ይጸልኡኒ ኣለዉ።

20 ንነፍሰይ ሐልዋ ኣድሕነኒውን፣ ኣባኻ እውከል ኣሎኹ እሞ፣ ኣይተሕፍረኒ።

21 ብኣኻ ተስፋ ገይረ ኣሎኹ እሞ፣ ንጽህናን ቅንዕናን ይሐልዋኒ።

22 ዎ ኣምላኽ፣ ንእስራኤል ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣናግፎ።