ዳዊት 126

1 እግዚኣብሄር ንምሩኻት ጽዮን ምስ መለሶም፣ ከም ሓለምቲ ነበርና።

2 ሽዑ ኣፍና ብሰሓቕ፣ መልሓስናውን ብእልልታ መልኤ። ሽዑ ኣህዛብ፣ ነዚኣቶም እግዚኣብሄር ዓብዪ ግብሪ ገይሩሎም፣ ተባሃሀሉ።

3 እግዚኣብሄር ዓብዪ ግብሪ ገበረልና፣ ንሕናውን ተሐጐስና።

4 ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ንወሓይዝ ደቡብ ጌርካ ንምሩኻትና ምለሶም።

5 ብንብዓት ዚዘርኡ ብእልልታ ይዐጽዱ።

6 ዘርኢ ተሰኪሙ ብብኽያት ይወፍር፣ እንዳእቱ ተሰኪሙ ብእልልታ ይምለስ።