ዳዊት 46

1 ኣምላኽ ንኣና መዕቈብን ሓይልን፣ ብጸበባ ፍጡን ረድኤትን እዩ።

2-3 ስለዚ ምድሪ እንተ ተገልበጠት፣ ኣኽራን ኣብ መዓሙቚ ባሕሪ እንተ ተናወጹ፣ ማያቱ እንተ ሀመመን እንተ ዐፈረን፣ ኣኽራን ብነድሮም እንተ አንቀጥቀጡ፣ ንሕናስ ኣይንፈርህን ኢና።

4 ወሓይዙ ንኸተማ ኣምላኽ፣ ነታ ቕድስቲ ቦታ ማሕደር እቲ ልዑል ዜሐጕስ ርባ ኣሎ።

5 ኣምላኽ ኣብ ማእከላ ኣሎ፣ ኣይክትናወጽን እያ፣ ኪወግሕ ከሎ፣ ኣምላኽ ኪረድኣ እዩ።

6 ኣህዛብ ጫውጫው በሉ፣ መንግስትታት ተናወጹ፣ ድምጹ ኣስምዔ፣ ምድሪ መኸኸት።

7 ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ። ኣምላኽ ያእቆብ እምባና እዩ።

8 ንዑ፣ ንግብርታት እግዚኣብሄር፣ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ጥፍኣት ጠምቱ፣

9 ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳኣታ ይገብረሉ፣ ንቐስቲ ይሰብሮ፣ ንዅናት ይቐራስሞ፣ ንሰረገላታት ብሓዊ የንድዶ።

10 ህድእ በሉ እሞ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ኣስተብህሉ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ልዕል ክብል፣ ኣብ ምድሪ ልዕል ክብል እየ።

11 ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፣ ኣምላኽ ያእቆብ እምባና እዩ።