ዳዊት 118

1 እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ኣመስግንዎ።

2 ምሕረቱ ንዘለአለም ከም ዚነብር፣ እስራኤል ይበል።

3 ምሕረቱ ንዘለአለም ከም ዚነብር፣ ቤት ኣሮን ይበል።

4 ምሕረቱ ንዘለአለም ከም ዚነብር፣ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርህዎ ይበሉ።

5 አብ ጸበባይ ንእግዚኣብሄር ጸዋዕኩ፣ እግዚኣብሄር መለሰለይ ኣርሐበለይ ድማ።

6 እግዚኣብሄር ምሳይ እዩ፣ ኣይፈርህን፣ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧

7 እግዚኣብሄር ምሳይ እዩ፣ ረዳእየይ እዩ፣ ኣብ ጸላእተይ ትምኒተይ ክርኢ እየ።

8 ካብ ኣብ ሰብ ምውካልሲ አብ እግዚኣብሄር ምዕቋብ ይሐይስ።

9 ካብ ኣብ መሳፍንቲ ምውካልሲ ኣብ እግዚኣብሄር ምዕቋብ ይሐይስ።

10 ኵሎም ኣህዛብ ከበቡኒ፣ ብስም እግዚኣብሄር ክቘርጾም እየ።

11 ከበቡኒ፣ እወ ኸበቡኒ፣ ብስም እግዚኣብሄር ክቘርጾም እየ።

12 ከም ንህቢ ከበቡኒ፣ ከም ሓዊ ቘጥቋጥ ጠፍኡ፣ ብስም እግዚኣብሄር ክቘርጾም እየ።

13 ከተውድቐኒ ኢልካ ኣዚኻ ደፋእካኒ፣ እግዚኣብሄር ግና ረድኣኒ።

14 ሓይለይን መዝሙረይን እግዚኣብሄር እዩ፣ ንሱውን ምድሓነይ ኰነ።

15 ኣብ ድንኳናት ጻድቃን ድምጺ እልልታን ምድሓንን ኣሎ፣ የማነይቲ ኢድ እግዚኣብሄር ሓይሊ ትገብር።

16 የማነይቲ እግዚኣብሄር ልዕል ትብል፣ የማነይቲ እግዚኣብሄር ሓይሊ ትገብር ኣላ።

17 ብህይወት ክነብር እየ እምበር፣ ኣይክመውትን፣ ግብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ከዘንቱ እየ።

18 እግዚኣብሄር ኣዝዩ ቐጽዓኒ፣ ንሞት ግና ኣይወፈየንን።

19 ብእኤን አትየ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖስ፣ ደጌታት ጽድቂ ኽፈቱለይ።

20 ደገ እግዚኣብሄር እዚኣ እያ፣ ጻድቃን ብእኣ ኺአትዉ እዮም።

21 ሰሚዕካኒ ምድሓነይውን ኴንካ ኢኻ እሞ፣ ከመስግነካ እየ።

22 ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፣ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ።

23 እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ፣ ነዒንትናውን ግሩም እዩ።

24 እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ እያ፣ ብእኣ ንተሐጐስን ባህ ይበለናን።

25 ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣድሕን ኰታ፣ ኣታ እግዚኣብሄር፣ ኣሰልጥን ኰታ።

26 እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፣ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ንባርኸኩም ኣሎና።

27 እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ እዩ፣ ንሱውን ኣብረሀልና፣ ነቲ መስዋእቲ በዓል ዓመት ክሳዕ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብገመድ እሰሩ።

28 ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ ኤመስግነካ፣ ዎ ኣምላኸይ፣ ልዕል ኤብለካ ኣሎኹ።

29 እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፡ ኣመስግንዎ።