ዳዊት 6

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ ብዅራኻ ኣይትግንሓኒ፣ ብሓርቖትካ ድማ ኣይትቕጽዓኒ።

2 ዎ እግዚኣብሄር፣ ማህሚነ እየ እሞ፣ ምሐረኒ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣዕጽምተይ ተሸቢረን እየን እሞ፣ ኣጥዕየኒ።

3 ነፍሰይውን ኣዝያ ተሸቢራ፣ ንስኻኸ፣ ዎ እግዚኣብሄር ክሳዕ መአዝ፧

4 ዎ እግዚኣብሄር፣ ተመለስ፣ ንነፍሰይ ኣናግፋ፣ ምእንቲ ምሕረትካ ኣድሕነኒ።

5 ኣብ ሞት ዚዝክረካ የልቦን እሞ፣ ኣብ ሲኦልከ መን እዩ ዜመስግነካ፧

6 ኣነ ብእህህታ ሰልክየ፣ ለይተ ለይቲ ንመደቀስየይ ኤርሕሶ፣ ንመንጸፈይ ብንብዓተይ ኤጠልቅዮ ኣሎኹ።

7 ዓይነይ ብሓዘን ተባላሸወት፣ ብሰሪ ዅላቶም ተጻረርተይ ትአርግ ኣላ።

8 እግዚኣብሄር ንድምጺ ብኽያተይ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፣ ኣቱም ገበርቲ እከይ ኵላትኩም፣ ካባይ ርሐቑ።

9 እግዚኣብሄር ንምህለላይ ሰሚዕዎ፣ እግዚኣብሄር ንጸሎተይ ኪቕበሎ እዩ።

10 ኵላቶም ጸላእተይ ኪሐፍሩ፣ እምብዛ ኺሽበሩ፣ ንድሕሪት ኪምለሱ፣ ብድንገት ኪሐፍሩ እዮም።