ዳዊት 105

1 ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፣ ስሙ ጸውዑ፣ ግብርታቱ አብ ማእከል ኣህዛብ ኣውርዩ።

2 ዘምሩሉ፣ ኣመስግንዎ፣ ብዛዕባ ዅሉ ተኣምራቱ ተዛረቡ።

3 ብቅዱስ ስሙ ኽብሩ፣ ልቢ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ይተሐጐስ።

4 እግዚኣብሄርን ሓይሉን ድለዩ። አዘውቲርኩም ገጹ ድለዩ።

5-6 ኣቱም ዘርኢ አብርሃም፣ እቲ ባርያኡ፣ ኣቱም ውሉድ ያእቆብ፣ ሕሩያቱ፣ ዝገበሮ መስትንክር ግብርታቱን ተኣምራቱን ፍርዲ ኣፉን ዘክሩ።

7 ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ፣ ፍርዱ አብ ኵሉ ምድሪ እዩ።

8-9 ነቲ ምስ አብርሃም ዝኣተዎ ኺዳኑ፣ ንይስሃቅውን ዝመሐለሉ ማሕላ፣ ነቲ ንሽሕ ወለዶ ዝአዘዞ ቓል ንዘለአለም ዘኪሩስ፣

10-11 ምድሪ ከነአን፣ ዕድሎት ርስትኹም ክትከውን፣ ክህበካ እየ፣ ኢሉ ንያእቆብ ከም ሕጊ፣ ንእስራኤል ከኣ ከም ናይ ዘለአለም ኪዳን ገይሩ ኣቘሞ።

12 ብቚጽሪ ሒደት፣ አዝዮም ሒደት፣ አብኣውን ስደተኛታት ከለዉ፣

13 ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ፣ ካብ መንግስቲውን ናብ ካልእ ህዝቢ ኺሐልፉ ኸለዉስ፣

14-15 ንሱ ሰብ ኪጠቕዖም ኣይሐደገን፣ ንቕቡኣተይ ኣይትተንክይዎም፣ ነብያተይ ድማ ክፉእ ኣይትግበርዎም፣ ኢሉ ምእንትኦም ንነገስታት ገሰጾም።

16 ጥሜት ናብ ሃገር ጸውዔ፣ ኵሉ ምርኩስ እንጌራ ሰበረ።

17 ቀቅድሚኦም ሰብኣይ ለአኸ፣ ዮሴፍ ከም ባርያ ተሸጠ።

18 ነእጋሩ ብመቚሕ ሳቐዩ፣ ነፍሱ አብ ሓጺን አተወት።

19 ቃሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፣ ቃል እግዚኣብሄር ክሳዕ ዚፍትኖ፣

20 ንጉስ ልኢኹ ኣፍትሖ፣ እቲ ገዛእ ኣህዛብ ሓራ አውጽኦ።

21-22 ንመሳፍንቱ ኸም ፍቓዱ ኺአስሮም፣ ንሽማግሌታቱ ኸኣ ጥበብ ኪምህሮም፣ ጐይታ ቤቱን ኣዛዝ ኵሉ ጥሪቱን ገበሮ።

23 እስራኤል ናብ ግብጺ መጸ፣ ያእቆብውን አብ ሃገር ካም ሰፈረ።

24 ንህዝቡ ኸኣ አዝዩ አብዝሖ፣ ካብ ተጻረርቱውን አበርትዖ።

25 ንህዝቡ ኺጸልእዎ፣ ንባሮቱ ኺታናዀልዎምሲ፣ ልቦም ለወጦ።

26 ንሙሴ ባርያኡን ንኣሮን ሕሩዩን ለአኸ።

27 አብ ማእከሎም ትእምርትታቱ፣ አብ ሃገር ካም ድማ ተኣምራት ገበሩ።

28 ጸልማት ለአኸ፣ አጸልመተ ኸኣ፣ ንቓላቱውን ኣይተጻረርዎን።

29 ማያቶም ናብ ደም ለወጠ፣ ዓሳታቶም ከኣ ቐተለ።

30 ናብ ኣባይቲ ነገስታቶም ክሳዕ ዚአትዋ፣ ምድሮም ብቚርዖብ መልኤት።

31 ተዛረበ እሞ ጽንጽያታት፣ አብ ኵሉ ወሰኖም ከኣ ቃርማ መጹ።

32 አብ ክንዲ ዝናምሲ በረድ፣ ሃልሃልታ ሓዊ ኸኣ አብ ሃገሮም ኣውረደ።

33 ወይኖምን በለሶምን ወቕዔ፣ ኣእዋም ዓዶም ድማ ሰባበረ።

34 ተዛረበ እሞ ኣንበጣ፣ ቊጽሪ ዜብሉ ኹብኩብታ መጸ።

35 ንዅሉ ብቋልያ ሃገሮም በልዖ፣ ንፍረ ምድሮም ከኣ በልዔ።

36 ንዅሉ በዅሪ ሃገሮም፣ ንበዅሪ ሓይሎም፣ ቀተለ።

37 ብወርቅን ብሩርን ኣውጽኦም፣ አብ ማእከል ዓሌቱ ኸኣ ድኹም ኣይነበረን።

38 ፍርሃት ወዲቕዎም ነበረ እሞ፣ ግብጺ ብምውጻኦም ተሐጐሰት።

39 ደበና ንመኸወልታ፣ ሓዊ ድማ ብለይቲ ኼብርህ፣ ዘርግሔ።

40 ለመኑ እሞ ብርኒጎታት አምጽኤ፣ ብእንጌራ ሰማይውን አጽገቦም።

41 ከውሒ ኸፈተ እሞ ማያት ፈልፈለ፣ ውሒዝ ብንቑጽ ቦታ ወሐዘ።

42 ነቲ ቅዱስ ቃሉን ንኣብርሃም ባርያኡን ዘኪሩ እዩ እሞ፣

43 ንህዝቡ ብሓጐስ፣ ነቶም ሕሩያቱ ድማ ብእልልታ ኣውጽኦም።

44-45 ትእዛዛቱ ኺገብሩ፣ ሕጉውን ኪሕልዉስ፣ ሃገር አህዛብ ሀቦም፣ ጻማ ኣህዛብውን ወረሱ። ሃሌሉያ።