ዳዊት 115

1 ንኣና ኣይኰነን፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ንኣና ኣይኰነን፣ ግናኸ ስለ ምሕረትካን ሓቅኻን ኢልካ፣ ንስምካ ኽብሪ ሀብ።

2 ስለምንታይ ኣህዛብ፣ ኣበይ ደአ ኣሎ ኣምላኾም፣ ዚብሉና፧

3 ኣምላኽናስ አብ ሰማያት ኣሎ፣ ዝደለዮ ዅሉ ይገብር እዩ።

4 ጣኦታቶም ኢድ ሰብ ዝገበሮም ብሩርን ወርቅን እዩ።

5 ኣፍ ኣለዎም፣ ኣይዛረቡን፣ ኣዒንቲ ኣለዎም፣ ኣይርእዩን፣

6 እዝኒ ኣለዎም፣ ኣይሰምዑን፣ ኣፍንጫ ኣለዎም፣ ኣየጨንዉን፣

7 ኢድ ኣለዎም፣ ኣይድህስሱን፣ እግሪ ኣለዎም፣ ኣይከዱን፣ ብጐረሮኦም ድማ ገለ እኳ ኣየድምጹን።

8 እቶም ዚገብርዎምን ኣብኦም ዚውከሉን፣ ኵሎም ከምኣቶም ኪዀኑ እዮም።

9 ኣታ እስራኤል፣ ኣብ እግዚኣብሄር ተወከል፣ ንሱ ረዲኤቶምን ዋልታኦምን እዩ።

10 ኣቱም ቤት ኣሮን፣ ኣብ እግዚኣብሄር ተወከሉ፣ ንሱ ረዲኤቶምን ዋልታኦምን እዩ።

11 ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርህዎ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ተወከሉ፣ ንሱ ረዲኤቶምን ዋልታኦምን እዩ።

12 እግዚኣብሄር ዘከረና፣ ንሱ ኺባርኽ፣ ንቤት እስራኤል ኪባርኻ፣ ንቤት ኣሮን ኪባርኻ እዩ።

13 ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ፣ ናእሽቱን ዓበይትን፣ ኪባርኾም እዩ።

14 ንኣኹምን ንውሉድኩምን እግዚኣብሄር የብዝሕኩም።

15 በቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እተባረኽኩም ኢኹም።

16 ሰማያትሲ ናይ እግዚኣብሄር ሰማያት እዮም፣ ምድሪ ግና ንደቂ ሰብ ሀቦም።

17 ምውታትን ናብ ስቕ ምባል ዝወረዱ ዅሎምን ንእግዚኣብሄር ኣየመስግንዎን እዮም።

18 ንሕና ግና ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለአለም ንእግዚኣብሄር ከነመስግኖ ኢና። ሃሌሉያ።