ዳዊት 138

1 ብምሉእ ልበይ ኤመስግነካ፣ ኣብ ቅድሚ ኣማልኽቲ ምስጋናኻ እዝምር።

2 ንቓልካ ሓለፋ ዅሉ ስምካ ኣዕቢኻዮ ኢኻ እሞ፣ ናብ ቅዱስ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ፣ ንስምካውን ስለ ሳህልኻን ሓቅኻን ኢለ ኸመስግኖ እየ።

3 በታ ዝጸዋዕኩላ መዓልቲ መለስካለይ፣ ኣትባዕካኒ፣ ንነፍሰይ ኣበርታዕካያ።

4 ጐይታየ፣ ኵሎም ነገስታት ምድሪ፣ ቃላት ኣፍካ ሰሚዖም፣ ኬመስግኑኻ እዮም።

5 ክብሪ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ፣ ብዛዕባ መገድታት እግዚኣብሄር ኪዝምሩ እዮም።

6 እግዚኣብሄር ልዑል እዩ እሞ፣ ንትሑት ይርእዮ፣ ንዕቡይውን ካብ ርሑቕ የለልዮ።

7 ብማእከል መከራ እኳ እንተ ኸድኩ፣ ንስኻ ህያው ትገብረኒ፣ ኢድካ ኣብ ኵራ ጸላእተይ ትዝርግሕ፣ የማነይቲ ኢድካውን ተድሕነኒ።

8 እግዚኣብሄር ኪፍጽመለይ እዩ፣ ጐይታየ፣ ጸጋኻ ንዘለአለም ይነብር፣ ንተግባር ኣእዳውካ ኣይትሕደጎ።