ዳዊት 94

1 ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሕነ፣ ኣታ ኣምላኽ ሕነ፣ ኣንጸባርቕ።

2 ኣታ ፈራድ ምድሪ፣ ተንስእ፣ ንዕቡያት ከም ግብሮም ፍደዮም።

3 ክሳዕ መአዝ እቶም ረሲኣን፡ ጐይታየ፡ ክሳዕ መአዝ ረሲኣን ኪዕወቱ እዮም፧

4 ዘረባ ድርቅና የፈልፍሉ፣ ኵሎም ገበርቲ እከይ ይጀሀሩ ኣለዉ።

5 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንህዝብኻ ይቕጥቅጥዎ፣ ንርስትኻውን የጨንቕዎ ኣለዉ።

6 ንመበለትን ስደተኛን ይቐትሉ፣ ንዘኽታማት ከኣ ይሐርዱ እዮም እሞ፣

7 እግዚኣብሄር ኣይርእዮን፣ ኣምላኽ ያእቆብ ኣየስተብህሎን እዩ፣ ይብሉ ኣለዉ።

8 ኣቱም ዳንዴታት ህዝቢ፣ ኣስተውዕሉ፣ ኣቱም ዓያሱ፣ መኣዝ ኢኹም እትልብሙ፧

9 እዝኒ ዝተኸለስ ኣይሰምዕንዶ፧ ዓይኒ ዝፈጠረስ ኣይርእይንዶ እዩ፧

10 ነህዛብ ዚቐጽዕ፣ ፍልጠት ንሰብ ዚምህር ኣይግስጽንዶ እዩ፧

11 እግዚኣብሄር ንሓሳባት ሰብ ከንቱ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ።

12-13 ዎ እግዚኣብሄር፣ ጐድጓድ ንረሲእ ክሳዕ ዚኵዐት፣ እቲ ኻብ መዓልቲ መከራ ኸተህድኦ ኢልካ፣ እትቐጽዖን ብሕግኻ እትምህሮን ሰብ ብጹእ እዩ።

14 እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣይኪድርብዮን፣ ንርስቱ ኸኣ ኣይኪሐድጎን እዩ።

15 ፍርዲ አብ ጽድቂ ኺምለስ እዩ እሞ፣ ኵሎም ቅኑዓት ልቢ ኺስዕብዎ እዮም።

16 አብቶም ገበርቲ ኽፉእ መን ይትንስአለይ፧ አብቶም ዓመጸኛታትከ መን ይቘመለይ፧

17 እግዚኣብሄር ረዲኤተይ ነይሩ እንተ ዘይከውንሲ፣ ነፍሰይ አብ ስቕታ ንምሕዳር ምቐረበት ነይራ።

18 ጐይታየ፣ እግረይ አንደልሀጸ ምስ በልኩ፣ ጸጋኻ ደገፈኒ።

19 ጓሂ ልበይ አብ ውሽጠይ ምስ በዝሔ፣ ምጽንናዕካ ንነፍሰይ ኣሐጐሳ።

20 ከም ሕጊ ኢና፣ እናበሉ ዓመጽ ዚገብሩሉ መንበር ጥፍኣትዶ ምሳኻ ሕብረት ኣለዎ እዩ፧

21 ንነፍሲ ጻድቕ ሐቢሮም ይወድቅዋ፣ ንንጹህ ደም ድማ ይዅንንዎ ኣለዉ።

22 እግዚኣብሄር ግና በሪኽ መጸግዕየይ፣ ኣምላኸይ ድማ ከውሒ መዕቈብየይ እዩ።

23 ዓገቦም አብ ርእሶም ይመልስ፣ ብእከዮም ከኣ ኬጥፍኦም እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኼጥፍኦም እዩ።